ትካልና ከቢረ ኢንተርፕራይዝ ኃ/ዝተ /ዉል ማህበር ( ማጋርመንትና ቴክስታይል ፋብሪካ) ካብ ኤክስፖርት ተረፉ ዝተፈላለዩ ናይ ደቂ ተባዕትዩ: ናይ ደቂ ኣንስትዩን ህፃናትን ካናቴራታት : ታይታት : ኣንሶላታት : ፓክኣዉታት : ፖሎ : ካናቴራታት : ቦዲ ምስ ቁምጡ ዝመሳሰሉ ዝተፈላለዩ ሐደሽቲ ክዳዉንቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ

ከቢረ ኢንተርፕራይዝ ሓ. ዝተ. ዉ .ማሕበር

1 ሕጋዊ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን ናይ 2011 ግብሪ ዝከፈለ ሰነድ ዘለዎ

2 ጨረታ ሰነድ ንምግዛእ ዘይምለስ ብር 100 ቅርሺ ብምክፋል ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ እስካብ 10 ተካታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ መቐለ /ኩሓ/ ዝርከብ ማጋርመንትን ቴክስታል ፋብሪካ ብምርካብ ናይ ጨረታ ሰነድ ምግዛእ ይክኣል

3 ጨረታ ካብ 07/10/2019 ዓም እስካብ 17/10/2019 ዓም ምዝጋባ ይካየድ

4 ናይ ጨረታ መከበሪ ቢስ ቦንድ ቅርሺ 50000 /ሓምሳ ሽሕ / ብስፒኦ ምስ ጨረታ ሰነድ ምቅራብ ዝክእል

5 ጨረታ ዝሸነፈ አካል ካብ መስሪያ ቤቱ ጨረታ ካብ ዝሸነፈሉ ዕለት ጀሚሩ ብተካታታሊ 5 መዓልቲ ዉሽጢ ዉዕሊ ተፈራሪሙ ናይ ዉዕሊ ዋጋ 100 ብሚኢቲ ብዉዕሊ መክበሪ ብባንኪ ብዝተመስከረሉ ቼክ ስፒኦ ብከቢረ ኢንተርፕራይዝ ኃ/ዝተ /ዉል ማህበር ሽም አዘጋጂዉ ምሓዝ ዘክእል ዉዕሊ ምስ ተፈራረሙ ድሕሪ 10 መዓልቲ ዉሽጢ 100% ከፊሉ ኩሉ ንብረት ምልዓል ይክእል

6 ተጫረቲ ዝወዳደሩሉ ዋጋ ብሽም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ እስካብ 10 ተካታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ መቐለ /ኩሓ/ ኣብ ዝርከብ ፋብርካና ናብ ዝተዘጋጀወ ሳንዱቅ ዉሽጢ ከእትዉ አለዎም

7 ተጫረቲ ዝቅርበሉ ጨረታ ካብ ምክፋቱ ሐደ መዓልቲ ቅድሚ ዘለዉ መዓልቲታት ምቅራብ አለዎ

8 ጨረታ ብዓስራይ ናይ መወዳእታ መዓልቲ 17/10/2019 ዓምፈ 4:00 ሰዓት ንጉሆ ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 17/10/2019 ዓምፈ 4:30 ሰዓት ይክፈት በዓል ዕለት እንተኮይኑ ንዝቅፅል መዓልቲ ይከዉን

9 ናይ ጨረታ አሸናፊ ጨረታ ካብ ዘሸነፈሉ ዕለት ጀሚሩ 10 ተከታታሊ መዓልቲ ንብረት ሙሉ ንሙሉእ ከልዕል አለዎ

10 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ሙሉብሙሉእ ወይድማ በከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ኣድራሻ መቐለ /ኩሓ/ አሉላ ኣባነጋ ኤርፖርት ፊት ንፊት ዝረከብ ስለዝኮነ ንዝበለፀ ሐበሬታ 0914310961

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo