ቤት ፍርዲ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ንባዕሉ ንቤት ፍርዲ ወረዳ ሽረ እንዳስላሴን ንብረተት ማለት እዉን ፣ኤሌክትሮኒክስ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናዉቲ ሕትመት ፣ ናይ ፌርኒቸር ንብረታትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፍርዲ ታሕታይ ቆራሮ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ መረዳእታ ዘይምለስ ቅዳሕ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ ነሓሰን መስከረምን 2011/12ዓ/ም ዲክሊሬሽን

4  ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን ብስፔስፊኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝክእል

5  ንብረት ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መፅዓንን መራገፍን ናብ ትካል ዘቅርብ

6 መኸበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ዘትሕዙ ኮይኖም ን ፣ኤሌክትሮኒክስ 4000 ቅርሺ  ፣ መሳርሒ ፅሕፈት 4000 ቀርሺ ፣ ናዉቲ ሕትመት 4000 ፣ ናይ ፌርኒቸር4000 ቅርሺ ከትሕዙ ኣለዎም

7  ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ ብምክፋል ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ 26/01/2012ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 13 ብምዉሳድ ኣብ ቤት ፍርዲ ሽረ ብምእታዉን ምዉድዳር ይካኣል

8 ሰነድ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ 26/01/2012 ክሳብ 11/01/2012ዓ/ም እነትኮን ጨረታ ዝዕፀወሉ 12/01/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ኣብ ቤት ፍርዲ ሽረ እንዳስላሴ ይክፈት

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 444 02 03 /03 42 44 04 02 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo