ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ ማይ ከተማ መቐለ ን 2008 ዓ/ም ዘገልግል ሎት 1 ኤሌክትሮ ሚካኒካል ስፔር : ሎት 2 ሃንድ ሴት ቱል : ሎት 3 ፅሕፈት መሳርሒ : ሎት 4 ሃንድ ሴት ስልኪ ሬድዩ ርክብ : ሎት 5 ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ

ቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ቀረብ ማይ ከተማ መቐለ

1 በቲ ዘፈረ ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም እቲ ሐዱሽ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ከቅርብ አለዎ

2 መረዳእታ መፍለይ ከፈልቲ ግብሪ (ቲን ናምበር) ክተቅርቡ እትክእሉ

3 አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ (ቫት) ዝተመዝገብኩምን ናይ መወደእታ ወርሒ ዲክለር ዝገበርኩምን

4 ተጫረቲ ብመሰረት ዝቀረበ ዝርዝር /ስፐስፊኬሽን/ መሊኡ ዘቅርብ ክከዉን አለዎ መቅረብቲ ካብ 3 ሕዳር 2008 ዓ/ም ክሳብ 15 ሕዳር 2008 ዓ/ም ዘይምለስ 50 ቅርሺ ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

5 መክበሪ ጨረታ ንኤሌክትሮክስ ሜካኒካል ስፔር 8000 (ሸሞንተ ሽሕ ቅርሺ) : ሃንድ ሴት ቱል   5000 (ሐሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) : ፅሕፈት መሳርሒ 5000 (ሐሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) : ሃንድ ሴት ስልኪ ሬድዩ ርክብ 3000 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) : ሞተር ሳይክል 5000 (ሐሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብ CPO ከምቲ ናይ ተጫራታይ ምርጫ ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ክፍሊት መአዘዚ ቼክ ወይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሊተር ኦፍ ክሬዲት ቅድሚ እቲ ፖስታ ምክፋቱ ከትሕዙ አለዎም

6 ጨረታ ዝዕሸገሉ 15 ሕዳር 2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኻይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረከቡ ነቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይዓግትዎን

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ

8 ንኤሌክትሮ ሚካኒካል ስፔር : ሃንድ ሴት ስልኪ ሬድዩ ርክብ  : ሞተር ሳይክል እቲ ጨረታ ሰነድ ቴክኒካል ሐደ ኦርጅናል ወይ ዋና ንበይኑ ክልተ ቅዳሕ ሐደ ፋይናንሻለ ዋና ክልተ ቅዳሕን ነንበይኑ ን ናይ ቤት ፅሕፈት ፅሕፈት መሳርሒን : ሃንድ ሴት ቱልስን  ሐደ ኦርጀናልን ንበይኑ ሐደ ኮፒ ንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ተጫረቲ እቲ ዘቀረበዎ ዋጋ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ደሌት መግለፂ ጥራሕ ክመልእዎ አለዎም

11 ነብስ ወከፍ ገፅ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክዓርፎ አለዎ

12 አድራሻ ግልጋሎት ቐረብ ማይ ከተማ መቐለ ከይዲ ስራሕን ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረትን

ንተወሳኪ ሐበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0344407335 ደዊልካ ምሕታት ይከአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo