ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ኮረም ዝረከብ ከይዲ ስራሕ መንገድን ምዕባላን ምምሕዳርን ኣብ ናይ 2012 ዓም በጀት ዓመት ኣብ ቀበሌ 02 ዝረከብ ካባቢ ሓስዋ ክሳብ ኣቢብቶ ዝስራሕ ድሬንጅ ምስ ስላብ ከቨር ብመፍለይ ቁፅሪ cor /cw/dr/01/12 ብብርኪ 8 ፈቃድ ደቀቅቲን ንግዲ ትካላት ኮንስትራክሽን ማሕበርትን ወልቀ ዳኣንትን ብግልፂ ኣጫሪቱ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ኮረም

1 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ደረጃ 8 ደቀቅቲ ኮንስትራክሽን ፍቃድ : ፍቃድ ስራሕ ንግዲ : ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት : ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ : ምዝገባ ከፋላይነት ግብሪ ካብ ልምዓት ዳእንትን ምግቢ ዉሕስና ዝተዉሃበኩም : ናይ ዳኣንት ወረቀት ምስክር

2 ዉሕስና ጨረታ ብቤራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈላለዩ ባንኪታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ናይ ገንዝብ ክፍሊት መዘዚ ወይድማ ስፒኦ ወይ እዉን ብጥረ ገንዝብ 10,000 ክትሕዝ ዝክእል ብጥረ ገንዝብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናብ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ከተማ ኮረም ኣታዊ ገይርኩም መረዳእታ ሒዝኩም ክትቀርቡ አለኩም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከቡ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 150 መዓልቲታት ዉሽጢ ሙሉእ ብሙሉ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 20/1/2012 ዓም ክሳብ 9/2/2012 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራሽን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ኮረም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 35 ወይ 37 ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ ኮረም ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

5 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንሻል ሰነድ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ከቅርብዎ ዝግባእም ዝርዝር መዓቀኒ ረቆሒ መጠቃለሊ ድማር ዋጋ ዲዛይንን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ በብይኑ ዓሺጎም ከቅርቡ አለዎም

6 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ደረጃ 8 ኮንስትራክሽን ፍቃድ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቀት ምስክር ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝፈለጥሉ መረዳእታ ምዝገባ ወረቀት ምስክር ከፋላይ ግብሪ ካብ ልምዓት ደኣንት ምግቢ ዉሕስና ዝተዉሃቦ ወረቀት ምስክር ደኣንት ዉሕስና ጨረታ ማለት እዉን ስፒኦ ሰነድ ዝገብሊት ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ብምዕሻግ  መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ማሕበር ዝጫረትሉ ፕሮጀከትን ኣድራሻን ሽም ኣቦ ወንበረን ማሕተምን ብዝርአ ቐለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ሮ ቁፅሪ 35 ወይ 37 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 10 /2 /201 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዐታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ ሰነድ እንተይኣዛብዑ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ገይሮም ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ  ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 10 /2 /201 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፀዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት  ልክዕ ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሪ ቁፅሪ 35 ወይ 37 ይክፈት

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345510015 0975485657

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo