ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ነቲ ቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ጎማን ባትርን፣ ኣቅሑት ፅሬት፣ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት፣ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከዕድግ ይደሊ፤

ኢንተርፕይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ

1 ናይዚ ዘመን 2012ዓ/ም በቲ ዘርፊ ናይ ዘመን ዝተሓደሰን ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም፣

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለሊ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን ሰርቲፍኬት ክተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ናይ ዘመን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለኩም፤

4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ VAT ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ናይ ወርሒ ነሓሰ  2011 ዓ/ም ድክለረሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ም/ንብረትን ኣብ ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ካብ 20/01/2012ዓ/ም ክሳብ 05/02/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ጨረታ ፖስታኩም ክተእትው ኣለኩም፤

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ መኪና ጎማን ባትርን 5000 ቅርሺ ፣ ኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ ፣ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት5000 ቅርሺ፣ ብ ሲፒኦ(CPO) ወይ ድማ ናይ ባንኪ ወሕስና ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይክእሉ፤

7 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411052 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo