ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝ/ዩ ኣብያተ ፅሕፈታት አገልግሎት ዝዉዕል ULDP በጀት ክዕድግ ስለዝደለየ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ን ኣይሰቲን ናዉትን ኣቅሑት ቢሮን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ግይሩ አታሓሒዙ  ከቅርብ ዝክእል፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ / TIN / ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይነት ደፍተር ዘለዎን ቅዳሕ ገየሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ዝተዉሃቦም ምስክር ወረቀት ተወሳኬ እሴት ታክስ ዋናን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ ወርሒ ስነ 2011 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ሰነድ ጨረታ ካብ 8/01/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 23/01/2012ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሽረ እንዳሰላሴ ቀበሌ 01 ኣብ ዉሽጢ ቀፅሪ ቤት ፅሕፈት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቁፅሪ 17 ብምምፃእ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እንዳከፈሉ ክሳብ 21 መስከረም 2012 ዓም  ሰዓት 4:00 ክወስዱ ይክእሉ

7 እቲ ጨረታ 23/01/2012ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 23/01/2012 ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

8 እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ ምልክታ መሰረት ኣማሊኡ እንተቀሪቡ ተጫረቲ ብዘይለውሉ ንምኽፋት ዝዓግቶ ነገር የለን።

9 መከበሪ ጨረታ ናውቲ ኣይሲቲ ን ኤሌክትሮኒክስ 7000 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ስፒኦ ከትሕዝ አለዎ፤

10 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀ ብመሰረት መምርሒ ዕደጋ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

11 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ በዓሎም ፊርማን ማህተምን ኣብ ነብስ ወከፈ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርብ ይግባእ፤

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኩን ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ  ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344444916 0344442866

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo