ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ደጎዓ ተምቤን ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ንዝተፈላለየ አብያተ ዕዩ መንግስቲ ግልጋሎት ዝውዕል ፅሕፈት መሳርሒን ፣ኤሌክትሮኒክስን፣ ናይ ፅሬት ኣቅሑት፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቅሑ፣ ናይ መኪና ጎማ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ወረዳ ደጉዓ ተምቤን

1 በቲ መስመር ዝታሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን መቅረባይነት ዝተመዝገብኩሙን

2 ቫት ተመዝጋባይ ዝኮነ ይኩን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሒሳብ ናብ ዝምልከቶ ዲክለር ዝገበረን ናይቶም ልዕል ክብል ዝተዘርዘሩ መረዳእታ ኦረጂናልን ፎቶኮፒን ከቅርብ ዝክእል፤

3 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዕለት 13/01/2012ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 27/01/2012ዓ/ም ንሕድሕድ ሎት ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቤት ፅ/ት ት/ፋ ወ/ደ/ተምቤን ክትወስዱ ትክእሉ፤

4 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት 3000.00 ሽሕ ብር ሕጋዊ ዝኮነ ባንኪ ዝፈለጦ ሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ መልክዕ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 ናይ ሕድሕድ ደኩመንት ኦርጅናል ኮፒን በ2ተ ፖስታ ብሽምዒ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ናይ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ምስተረጋገፀሉ መከበሪ ጨረታ 10 ሚኢታዊ ናይቲ ዝሰዓርዎ ድምር ዋጋ ሕጋዊ ዝኮነ ባንኪ ዝፈልጦ ሲፒኦ ወይ ጥረገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

7 ኣብ ቤት ፅ/ትና ናይ በጀት ኩነታቱ ብምርኣይ 20 ሚኢታዊ ምውሳክን ምቅናስን ከጋጥም ይክእል እዩ፡፡

8 ሰዓርቲ ሰዓራይነቶም ምስ ተገለፀሎም ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ምስ ኣስሩ እቲ ንብረት ብዝቐረበ ስፔስፊኬሽን መሰረት መጎዓዝያ መራገፍን ካብ መቅረባይ ኮይኑ ናብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ ወ/ደ/ተምቤን መክዝን ኣታዊ ክገብር ዝክእል፤

9 ቫት ተመዝገብቲ ዝመልኡዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ክከዉን አለዎ እንተይነፂሮም ዉን ምስ ቫቱ ዝተሓዝ ምካኑ ንገልፅ፡፡

10 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ኣብ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፅ/ት ት/ ፋ ወ/ደ/ተምቤን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ዕለት 28/01/2012 ዓም 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሃገረ ሰላም ይክፈት፡፡

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0343-390402/0343-390012 ወይ ብኣካል ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo