ቤት ፍርዲ ወረዳ ሕንጣሎ ወጅራት ናይ 2012 ዓ/ም በጀት ዓመት ነዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ናይ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ መሳርሒ ሕትመት ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ናይ ሞተር መለዋወጢ ፣ ናይ ሀንፃ ናይ ዉሽጢ ኣቅሑት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ኣቅሑ ፈርኒቸርን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት

1 በቢ ዘርፊ ንግዱ ሕጋዊ ዝምልከት ኮይኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ግብሪ ዝኸፈለን፤ መፍለይ ቁፅሪ ፤ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት፤ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ወርሓዊ ዲክለሬሽን ከቅርብ ዝኽእል፣ ኣብ እዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ዘቀርብ።

2 ተጫረቲ  በቢዘርፉ ሰነድ መግዝኢ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50.00 ( ሓምሳ ብር) ኸፊሎም ካብ ዕለት 15/01/2012 ዓ/ም -06/02/2012 ዓ/ም ካብ ወረዳ ሕ/ወጀራት ቤት ፍርዲ ዓዲ ጉዶም ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ ብምውሳድ ዋጋ መሊኦም ብሽምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትው ዝኽእል፤

3 ጨረታ መኸበሪ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ጥራሕ ኮይኑ 3000.00(ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ምስ ጨረታ ሰነድ ሓቢሩ ናብ ሳንዱቅ ዘእትው፤

4 እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛብዐ ወይም ከጭበርበር ዝሞከረ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሓዞ ጨረታ መከበሪ ተወሪሱ ብቲ ናይ ክልል ትግራይ ዕድጊት መምረሒ ዝደንጎጎ ብሕጊ ተሓታቲ ይኸውን፤

5 ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ ዝኾነ ይኹን መመሓየሺ ኣብ ጨረታ ሰነድ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቀድን።

6 ዝሰዓረ ኣካል ዝፍለየሉ ንዝተሓተቱ ጠቅላላ ኣቅሑት ብዝተሓተ ዋጋ ዘቅርብ ሰዓራይ ይኸውን፤

7 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተፈለጠሉ (ክፈልጦ ካብ ዝግባእ) ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ መዓልቲ ኣብ 5ተ መዓልቲ ውሽጢ ናብ ወረዳ ሕ/ወጀራት ቤት ፍርዲ ዓዲ ጉዶም መፂኡ ውዕሊ ይኣስር።

8 ኣብ ጨረታ ከይዲ ቅሬታ እንታሃልዩዎ ጨረታ ውሳነ ካብ ዝረኸበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3ተ ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥራሕ ናብ ወ/ሕ/ወ ቤት ፍርዲ ዓዲ ጉዶም ቅሬታ ዘለዎ ቅሬትኡ ብፅሑፍ ከቅርብ ኣለዎ።

9 ሰዓራይ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብጥረገንዘብ ወይም በሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

10 ተጫራታይ ካብቲ ናይ ትግራይ ናብ ዕድጊት መምርሒ ወፃኢ ዝኾነ ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ እንተተወዳደሩ ሰዓራይ አብ ዝኾንሉ በቲ ናይ ዕደጋ መምርሒ ዝተኣናገድ ምዃኑ ፈሊጡ ናይ ባዕሉ መምርሒ ከቅምጥ ከምዘይብሉ እንተቀመጠ እውን ተቐባልነት የብሉን፤

11 እቲ ቤት ፍርዲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12 እቲ ቤት ፍርዲ 20% ናይቲ ዝተስዓረ ንብረት ዋጋ መጠን ናይ ምውሳኸን ምቅናስን መሰል ኣለዎ።

13 እዚ ጨረታ 06/2/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ወረዳ ሕ/ወጀራት ቤት ፍርዲ ዓዲ ጉዶም ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ብበዓል ዋና /ሕጋዊ ወኪል/ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-370769 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo