ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ኤሌክትሮኒክስን ፣ስፔር ፓርትን፣ ግልጋሎት ዝውዕሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ መቕረብቲ ከም ዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት ክተማልኡዎ ዝግባእ

ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ዕደጋን ሕርሻ ትግራይ

1 ናይ 2012 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም፤

2 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ ወርሒመስከረም 2012 ዲከለር ዝገበርኩም

3 ብመቅረባይነት ዝተመዝገብኩምን ዘሐደስኩምን

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (ቲን) ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ክተቅረቡ እትኽእሉ፤

5 መቅረብቲ ካብ ዕለት 12/12012ዓ/ም ክሳብ ዕለት 23/01/2012 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ኤጀንሲና ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ ንብረትን 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 102 ዘይምለስ ብር 50.00 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይከኣል።

6 ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብር ብሲፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።

7 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 23/01/2012ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ንምኸፋት አይተዓናቀፍን።

8 ኤጀንሲና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-405030 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo