ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንዞም ትሕቲ ኢሎም ብሎታት ተዘርዚሮም ዘለዉ ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት ሎት 2 ስራሕቲ ሕትመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ መረዳእታ ከምእዉን ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቅት ምስክር ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ናይ ወርሒ ሐምለ 2011 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባት ዝኮንኩምን  ትኽእሉ::

3 መኽበሪ ጨረታ ብር 10,000 ቅርሺ ንሎት ሐደ ከምኡ ድማ 20,000 ንሎት ክልተ ብመልክዕ ስፒኦ/CPO/ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉስሕስና ብጥረ ገንዝብ ክተትሕዙ እትክእሉ::

4 ናይ ጨረታ ሰነድኩም ንሕድሕድ ሎት ዋናን ቕዳሕን ፋይናንሻል ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::

5 እቲ ጨረታ ካብ 10/1/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 27/1/2012 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት::

6 ሰዓራይ ትካል ብዝቀረበ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን መሰረት ንቶም ንብረታት ከቅርብ ዝክእልን ናይ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከቕርብ ይግባእ አብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ከይሓወሰ ዘቕረበ ተጫራታይ ቫት ከምዝሐወሰሉ ይዉሰድ::

7 ተወዳደርቲ ትካላት ሰዓራይ ኮይኖም እንተቀሪቦም ናይ ሰዓራይነት ደብዳቤ ካብ ዝተዉሃቦም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን ዉዕሊ ካብ ዝአሰርሉ ዕለት ጀሚሮም ድማ ንሎት ሐደ ኣብ ዉሽጢ  20 ተከታተልቲ መዓልቲታት ንሎት ክልተ ድማ ብዘይካ በዓል ሐምሳ ባድ ቅብሊት ደረሰኝ እቶም ካልኦት ናይ ሕትመት ስራሕቲ ግን ኣብ ዉሽጢ 45 ተከታተልቲ መዓልቲ ከቅርቡ አለዎም

8 በዓል ሓምሳ ፓድ ቅብሊት ደረሰኝ ማለት እዉን RC ድማ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ መጀመሪያ ዙር 15000 በዝሒ ፓድ ኣብ ዉሺጢ 30 ተከታታልቲ መዓልቲታት ካልኣይ ዙር 15000 በዝሒ ፓዳት ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታተልቲ መዓልቲታት ሳልሳይ ዙር 20000 በዝሒ ፓዳት ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታተልቲ መኛልቲታት ብጠቅላላ ነድምር 50000 ፓዳት ከቅርቡ ግዴታ አለዎም

9 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 ዘይምለስ ብር 50.00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::

10 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት በዓል እንተዉዐሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት

11 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ

13 ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ብሄራዊ ክልልላዊ መንግስቲ ትግራይ አዋጅ ቁፅሪ 255/2007 መምርሒ ቁፅሪ 04 /2007 ተገዛኢ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ 0344404715 ምድዋል ይከአል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo