ማእኸል ምርምር ሕርሻ አበርገለ አብ 2008 በጀት ዓመት ናይ መኪና መቀያየሪ ኣቑሑትን : ናይ ላብራቶሪ መሳርሒ አቁሑት : ናይ ምርምርን ግብርናን መሳርሒ አቁሑት ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእከል ምርምር ሕርሻ ኣበርገለ

በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ  መሰረት  ንክትወዳደሩ  ንዕድም

  • ምድብ 1 ናይ መኪና መለዋወጢ አቑሑት
  • ምድብ 2 ናይ ላብራቶሪ አቑሑት
  • ምድብ 3 ናይ ምርምር ግብርናን መሳርሒ ኣቑሑት
  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን ኣብ 2008 ዓ/ም ዘሐደስኩም::
  2. እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ::
  3. ተመዝገብቲ ተወሳኺ  እሴት ታክስ / ቫት/  ኮይኖም ናይ ወርሒ መስከረም አታዊ ዝገበረሉ ዋንኡ ምስ ሐደ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል::
  4. ናይ መቅርባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::
  5. ናይ ግብሪ ኸፋላይ መለለይ ካርድ ( Tin)  ዘለኩም::
  6. ንጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ንሕድሕዶም ብር 3000 ከትሕዝ
  7. ሰነድ ጨረታ ንሐደ ደኩመንት ዘይምለስ 30 ብር ብምክፋል ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር  ሕርሻ ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን /ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 09 ብምግዛእ ክትወስዱ  ትክእሉ::
  8.  ሰነድ ጨረታ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኩም ብምምላእ  ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ዶክሜንት ኮፒን ኦርጂናልን ነንብይኑ አብ ፖስታ ብምዕሻግ አብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ፊርማን ብምፅሓፍ አብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ   ዝተዳለወ ሳንዱቅ  ጨረታ ንከትኣእትዉን  ንክትወዳደሩን  እናተሓሳሰብና::
  9. ምልክታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ  ዕለት 26 /03/ 08 ዓ/ም ክሳብ 10/ 03/ 08 ዓ/ም::
  10.  ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ 10 /03 /08 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::
  11. ሳንዱቅ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 10 /03 /08 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ::
  12. እቲ ጨረታ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይካየድ ይኩን እምብር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝኽፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይተአጎጎለን::
  13.  ጨረታ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ዉዕሊ መክበሪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ብሽም  ማእከል ምርምር ሕርሻ አበርገለ CPO ዘትሕዝን ::
  14. ማእኸልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
  15. እቲ ቢሮ ካብቲ ዝተዘርዘረ መጠን ንብረት ክሳብ 20 ሚኢታዊ ናብ ምዉሳክን ምቕናስን መሰል አለዎ::
  16. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅርታት ስልኪ 0344 46 07 41 ወይ 0348460086 ማእከል  ምርምር ሕርሻ አበርገለ ብምድዋል ይሕተቱ::

 

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo