ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣብ 2012 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ሕትመታት ፣ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከሐትም ይደሊ በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ

ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት  ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይሓምለ 2011 ዓ/ም VAT ድክላሬሽን ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ 2011 ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስኽር ወረቐት ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ወርሒ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድነ ጨረታን ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር ጥራሕ / እናኸፈለ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ካብ 01/13/2011 ክሳብ 13/01/2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ከወዳድር ይክእል

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ብር25000.00 / ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን / Bureau of plan & finance / ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 13/01/2012 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ርንቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ / ክዉስክ ይክእል እዩ::

12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344-410529 / 0344-405152/ ናይ ወሽጢ መስመር 227:265 ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምኻኑ ንሕብር::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo