ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዉቅሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ሕትመት መሳርሒ ፣ ሃለቕቲ ናይ ፅሬት ኣቁሑት ፣ ሞተር ሳይክልን ደንቢ ክዳንን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ውዕሊ ኣሲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ዝምልከተኩም መቅረብቲ በቲ አብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም።

ሆስፒታል ዉቅሮ

1 ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ ዝርዝር ናይ ኩሉ ቫት ተመዝጋቢ ምኻኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዝተሓደሰ ሕጋዉያን ፍቃድ ንግዲ ስራሕ መረዳእታ ዘቅርቡ

3 ብቢሮ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ ከፋልቲ መለለይ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡን፤

4 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርብ፤

5 ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊኬት /ስፒኦ/ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000.00 ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 04/13/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 12/1/2012 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 100.00 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ።

7 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ዊዝ ሆልዲንግ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣተዊ ይገብሩ።

8 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ዉቅሮ ሆስፒታል ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 01 እዩ፡፡

9 እቲ ጨረታ ዕለት 12/1/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተተረኪቦም ይምረፅ።

10 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቀመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይኑሎም መብርሂ (መማሓየሺ) እንተሃልዩዎም ናይ ጨረታ መክፈቲ ዕለት

11 ተጫረትቲ ካብቲ ዝቀረበ ሰፔስፊኬሽን ሳምፕልን ወፃኢ ምምላእ ዘይከኣል ምዃኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ዝክእሉ፤

12 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ኣቅሓ ማለት ጀነሬተር ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን ናብ ሆስፒታል እሰቶር ኣታዊ ጌሮም ሒሳቦም ክዉስዱ ዝክእሉ፤

13 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ኣቅሓ ጀነሬተር ዉዕሊ ብምእሳር 10% ናይቲ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መኸብሪ ብዝተረጋገፀ ባንኪ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ክትሕዙ ግዴታ አለዎም።

14 ብዝ/የ መንገዲ እቲ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫራቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ወይ ሆስፒታልና ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር፡፡

15 ተጫራቲ ድሕሪ ሳፁን ጨረታ ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን፡፡

16 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ሽምን ፊርማን ማህተምን ክገብርሉ ኣለዎም፡፡

17 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህሉ የብሉን፡፡

18 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርበዎ ሰነድ ነንበይኑ ዓሺጎም ዋናን ቅዳሕን ኢሎም ክፅሕፍሉ ይግባእ፡፡

19 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-430057 ደዊልካ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo