መዓርግ ሆስፒታል ኣብ ናይ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ንብረት ማለት ኣቅሑት ፅሬት፣መሳርሕታት ፅሕፈት፣ ኣቁሑት ኤሌክትሪክ፣ መሳርሕታት ህንፃ ፣ መለዋወጢ ኣቁሑት መካይን ፣ ሰፋይት ክዳን መኪና፣ ጀነሬተር ፣ ኣቁሑት ቢሮ ፣ሕትመት፣መድሓኒት ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ኣብዚ ጨረታ ንክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቋሕታት ክተማልኡ ይሓትት

ሆስፒታል መዓርግ

1 በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ቲን ነምበር ዘለኩም፣ ፍቃድ መቅረባይነት ዘለኩም፤

3  ናይ ሓምለ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ንኣቅሑት ፅሬት፣ ንመሳርሒ ፅሕፈት ፣ኣቁሑት ኤሌክትሪክ፣ መሳርሒ ህንፃ፣ ንመለዋወጢ ኣቁሑት መካይን ፣ ንኣቁሐት ጀነሬተር፣  ክዳን ሰፋይት ማሽን ፣ኣቁሑት ቢሮንሕድሕዶም 3000 ቅርሺ ንመድሓኒት 6000 ቅርሺ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 መቅረብቲ መድሓኒት ዝኮንኩም ዝተሓደሰ ናይ ሞያ ፍቃድ ክተቅርቡ ይግባእ

6 ካብ ዘሸነፍዎ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መክበሪ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ 10 ሚኢታዊ ክተቅርቡ ይግባእ፤

7 ናይ ሓደ ሰነድ ዋጋ 20.00 ቅርሺ፣ ናይ መድሓኒት 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ክትገዝኡ ትክእሉ፤

8 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 30 መዓልቲ ይከዉን፡፡

9 ጨረታ ንመድሓኒት ክሳብ 1/13/2011ዓ/ም ክሳብ 12/01/2012ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን ንካልኦት ድማ ክሳብ 16/01/2012ዓ/ም ሰዓት 5፡00 ይከዉን

10 ጨረታ 16/01/2012ዓ/ም ሰዓት 5፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5፡30 ይክፈት

11 ናይ መድሓኒት ድማ 12/01/2012ዓ/ም ሰዓት 5፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5፡30 ይክፈት

11 ሰነድ ጨረታ ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ፀገዴ መዓርግ ሆስፒታል እናመፃእኩም ክትገዝኡ ትክእሉ፤

12 እቲ ሆስፒታል ካብ ዘጫረቶም ጠቅላላ ዋጋ 20 ሚኢታዊ ክዉስክ ወይድማ ክቅንስ ይግባእ፡፡

13 እቲ ሆስፒታል ዘሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914-387011 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo