ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤንን ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ንዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈታት ወረደኡ ግልጋሎት መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናይ መካይን ጎማ ምስ ካላማደርያ ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣ ግልጋሎት ሕትመት፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን

1 አብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቐሰ ሞዴል/ Specification/ ምስራዝ አይካአልን፤

2 ናይዚ 2011/12ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሃደሰን ግብሪ ሙሉእ ዝከፈለን፤

3 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ዘለዎ ኮይኑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ከምኡውን መፅዐኒን መራገፍን ሸፊኑ ከቅርብ ዝክእል፤

4 እዚ ግልፂ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዎ ይኽፈት በቲ ዝተባሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኺቡ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘይለዉሉ ዝኽፈት ምኻኑ::

5 ንሐደ ደኩመንት ዘይምለሰ ብር 100 ከፊሉ እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ቤት ፍርዲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ክፍሊት ብምክፋል ክወዳደር ዝደሊ፤

6 ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 24/12/2011 ዓ/ም ክሳብ 06/01/2012 ዓ/ም ኮይኑ ዋንኡን ኮፒኡን ብስምዒ ወይ ዝጠንከረ መጣበቂ ተዓጉ ብትዓሸገ ኢንቨሎፕ ሓደ ኮፒ ሓደ ኦርጂናል ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ይኣትው፡፡

7 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 06/01/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ይኽፈት መክፈቲ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ወ/ቆ/ተምቤን ይከውን፡፡

8 ተጫረትቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ዝከውን ናይ መሳርሒ ፅሕፈትን መኪና ጎማን ካማደርያ ጨረታ ሰነድ ብር 5000.00 ሽሕ ብር ብሲፒኦ ወይ ኣቁሑት ፅሬት 3000.00 ንግልጋሎት ሕተመት 2000.00 ብሲፒኦ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

9 ቤ/ፅትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

10 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእልን፤

11 ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁ 0344- 460553ምድዋል ይከኣል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo