ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ መኪና ስፔር፣ ፅሬት ኣቅሑት፣ ሕትመትን ፣ ፈርኒቸር፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ናይ ሙዚቃ መሳርሒን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

በዚ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

1 ዝተሐደሰ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ መቕረባይነት ምዝገባ መለለይ ካርዲ ግብሪ ዝከፈለን መለለይ ግብሪ /ቁፅሪ ቲን ናምበር ኸቕርብ ዝኽእል፤

2 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝውፀአሉ ዕለት 23/12/2011 ዓ/ም ክሳብ 02/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝካአል ኮይኑ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝዕፀወሉ ዕለት 03/12/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት ፤

3 ጨረታ መኽበሪ ብር 5000 /ሓምሽተ ሽሕ /፣ ብናይ ስፖኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ናብ 1000039926621 ኣታዊ ብምግባር  ከትሕዝ ዝክእል ፤

4 ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 30.00

5 ተጫረቲ ዘድሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ነንበይኑ ብምእሻግ ኦርጅናልን አብ ሓደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ካሊእ ፖስታ ታዓሺጉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይካኣል

6 ተጫረቲ ወይ ከዓ ወኪላት ብዘይ ምቕራቦም ሰነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ ኣይተዓናቐፍን ወይ ከይተከፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን፤

7 ናይ ተጫረቲ ሽም ኣድራሻ ክታምን ማሕተምን ክዓርፎ አለዎ፤

8 ተጫረቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ በመአዘዚ ደብደቤ ዉዕሊ ዝአሰረሉ ብዝተወሃቦ ጊዜ 6ተ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕለ ክአስርን ናይ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ አለዎ

9 ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክን ምቕናስን መሰሉ ሕሉዉ እዩ

10ኣብ ዘዳላናዩ ሰነድ ጨረታ ስፐስፊኬሽን መለክዒ ካልእ ዝኮነ ዓይነት መስተካከሊ ምግባር ተቀባልነት የብሉን ፤ኣስተካኪሉ ዝመፅአ እንተሃልዩ ግን በቲ ንሕና ዘዳለውናዮ ከምዝተጫረተ ተሓሲቡ ናብ ውድድር ብምሕላፍ ሰዓራይ ይከውን፤

11 ትራንስፖርት ዝምልከት ባዕሉ ሰዓራይ ኣካል ዝሽፍን ኮይኑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍሊ ከተማ ኩሓ ብዉዕል መሰረት ንብረቱ ኣታዊ ይገብር

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

13 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914-888930 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo