ናይ 2012ዓ/ም ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ዝዉዕል ንዝተፈላለየ ኣብያተ ዕዮታት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ፡ ኣቁሑት ፅሬት ፣ ስራሕቲ ሕትመት ፣ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፣ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተር ሳይክልን ፣ኣቁሑት ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ

1 ናይ 2012ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘለዎን ክከውን ኣለዎ፤

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋብን ዝኮነን ናይ 2011ዓ/ም ወርሒ ሰነ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት መቅረብቲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል፤ ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ክፍሊ ቁፅሪ 02 ምውሳድ ይከኣል፤

5 ፋይናንሻለን ቴክኒካልን ሰነድ ነንበይኑ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ቢድቦንድን መሳርሒ ፅሕፈት፣ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና  5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ኣቁሑት ፅሬት፣ ስራሕቲ ሕትመት ፣ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተር ሳይክል ፡ ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስን ጎማ መኪናን  3000.00 ብር ብናይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይድማ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ 16/12/2011ዓ/ም ሰዓት ክሳብ 1/13/2011ዓ/ም 4፡00 ታዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት::

8 ሰዓራይ ዝፍለየሉ ንዝተሓተቱ ንብረት ብዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ ሰዓራይ ይከውን፤

9 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና ቅዳሕን ንንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ኣለዎም። እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ፣ ማህተም፣ ፊርማ ንክህልዎ ኣለዎ:: ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝገበረ ተጫራቲ ድማ እቲ ዘቅርቦ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን:: ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ድማ ብማርከር ንፁር መረዳእታ ክዓርፎ ይግባእ::

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምውሳክን ምቅናሰን መሰል ኣለዎ::

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0342-400403 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo