ትካልና ኢዛና መዓድን ልምዓት ኩባንያ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከባቢ ሜሊ ንዝሃነፆ ናይ ወርቂ መዓድን ግልጋሎት ትውዕል ማሽነርታት ብግልፂ ጨረታ ቁፅሪ MGP/030/2019 ኣወዳዲርና ንሽድሽተ (6ተ) ኣዋርሕ ክንካረ ስለዝደለና ብቅዓት ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ትካል መኣድን ምውፃእ ኢዛና

1 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2011ዓ/ም ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት፣ ናይ ቫት ምስክር ወረቀት፣

2 ናይ ሾፌር ኦፕሬቶር ደመወዝን አበልን ናይ ፅገና ወፃኢ ብተጫራቲ ዝክፈል ኮይኑ ነዳዲ ብተካራይ ዝሽፈን ይከውን፣

3 ካብ ዕለት 15/08/2019 ዓ/ም/ፈ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

3 እቲ ጨረታ 03/09/2019 ኣ.ፈ ሰዓት ሰዓት 8:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

4 ተጫራቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ካብ ጠቅላላ ዝኣተወ ሰዓት ንሓደ ጨረታ ዘእተውዎ ማሽን በቲ ስዒቡ ዘሎ ሰደቃ መሰረት ከእትው ይግባእ፡፡ ብፖስታ ዘይተዓሸገ ሲፒኦ ተቐባልነት የብሉን፡፡

5 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ማለት እቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለው ካብ ዘሸነፍሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5ተ ተከታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብቲ ቦታ ከእትው ኣለዎም፡፡ እንተዘይኮኑ ግና ንጨረታ ዘትሓዝዎ ሲፒኦ ናብ ትካል ኣታዊ ተገይሩ እቲ ትካል ካሊእ ኣማራፂ ይወስድ፡፡

6 ተጫረቲ ሕጋዊ ደረሰይ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኮኑ ይግባእ፡፡

7 ተጫረቲ ዘቅረብዎም ዝ/ዩ ማሽነሪታት ካብቲ ተጠቂሱ ዘሎ ሞዴልን ካብኡ ንላዕሊ ክከውን ይግባእ፡፡

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቀለ ኢዛና ማዕድን ልምዓት ኩባንያ ናብ ተምቤን ዓብይ ዓዲ ዝወስድ ኣብ ናይ ኤስ ኦ ኤስ መስመር ፈለማ መዕፀፊ ሰላም ህንፃ ቢሮ ሓደ ሚኢቲ ብር /100/ ብር ብምክፋል ብኣካል ብምቅራብ ክትወስዱ ትእክሉ ምዃንኩም ንሕብር፡፡

9 ተጫረቲ ዘቅረብዎ ዝ/ዩ ማሽነሪታት ካብቲ ተጠቂሱ ዘሎ ንላዕሊ ክከዉን  ይግባእ፡፡

10 ተጫረቲ ብናይ ካሊእ ዋጋ ተንተሪሶም ዋጋ ምእታው ኣይፍቀድን፡፡

11 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-746424 /09 30 68 18 54  ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo