ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ

ተወዳደርቲ ከማልእዋ ዝግባእ

  1. ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይም ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ
  2. ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  3. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈለን መረዳእታ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ መቅረባይነት ግልጋሎት ወሃባይ ፍቃድ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  5. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ወይዉን ቲን ነምበር ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  6. ጨረታ መክበሪ ናይ ፅሬት ኣቁሑት 10,000 ቅርሺ ናይ ደቀቅቲ ኣቁሑት ሕትመት 10,000 ቅርሺ ብሲፒኦ ከቅርብ ዝክእል
  7. ተወዳደርቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ምእሳር ዝክእል
  8. ተወዳደርቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ሰዓራይ ምካኖም ካብ ዝተነገሮም ዕለት ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጋዓዕዝያ ከቅርቡ ዝክእሉ
  9. ተወዳደርቲ ኣብ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ማህተም ፊርማ  ሙሉእ ኣድራሻን ምስ ስልኪ ቁፅሪ ክገልፁ ዝክእሉ ክኮኑ ኣለዎም
  10. ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ሰነድ 30 ቅርሺ ብምክፋል ወሲዶም ዝመልእዎ ጨረታ ካብ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ክሳብ 3 ሕዳር 2008 ዓ ም ቀትሪ ሰዓት 8 ፡30 ኣብ መስራቤትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ዝክእሉ ኮይኖም ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ተዓሺጉ ሰዓት 9 ፡00 ተጫረቲ ወይዉን ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  11. ኮምሽና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
  12. ኣብ ናይ ዋና መቅረቢ ዝተመልአ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 10 መዓልቲ ይፀንሕ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0344406577 ደዊልኩም ደዊልኩም ወይድማ ብኣካል ኣብ ኮምሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 208 ቀሪብኩም ምሕታት ይከኣል

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo