ጽርሐ ኣርያም ቅዱስ ገብሪኤል ካቴድራል ናይ ቤተክርስቲያኑ መእተዊ ዋና በሪ ብ3ተ ኣንፈት ማለት ብደቡብ ፣ ብምብራቕ እና ሰሜን ኣንፈት ብሰብ ሙያ ኣወዳዲሩ ንክሰርሕ ወሲኑ ኣሎ ስለዚይ ብዉሳኒኡ መሠረት ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 13/12/2011 ዓ/ም ጀሚሩ እስካብ ዕለት 24/12/2011 ናይ ምሸት ሰዓት 12፡00 ዞሎ ግዜ እትወዳደረሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ሰበካ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ብምእታዉ ክትወዳደሩ ከምትክእሉ እናገለፅና ዕለት 25/12/2011 ልክዕ ሰዓት 12፡ ናይ ንጉሆ ድማ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ጨረታ ይክፈት

ጽርሐ ኣርያም ቅዱስ ገብሪኤል ካቴድራል ቤተ ክርስትያን

1 ናይ 2011ዓ/ም ዘመን ግብሪ ዝከፈሉ ምካኖም መረጋገፂ ከቅርቡ ዝከአሉ

2 ሕጋዊ ግብሪ ዝተከፈሉሉ ናይ ሥራሕ ልምዲ ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ደረጃ 5ተን ካብኡ ንላዕሊን ብናየ ኮንስትራክሽን ፍቃድ ዘለዎ ኮይኑ ብናይ ቤተክርስትያን በሪ ስራሕ ልምዲ ዘለዎ ተመራፂ ይኸዉን

4 ንጨረታ መኸበሪ ብር ሲፒኦ ወይም ብጥረ ገንዘብ ብር 50000.00 /ሓምሳ ሽሕ/ ከትሕዙ ኣለዎም

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200.00 ገዚኦም ክወስዱ ኣለዎም

 6 ናይ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ  ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

7 እተቅርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ሕጋዊ ማህተም ከቕርቡ ኣለዎም

 መተሓሳሰቢ ካቴድራል ቤተክርስትያኑ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ኣድራሻ መቐለ ዓዲ ሓቂ ጥቃ ሓወልቲ ሰማዕታት

ንዝበለፀ ሓበሬታ 09 14 00 92 09/ 09 14 76 88 99

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo