ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትሪን ጨንፈር ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣብቲ ከተማ ግልጋሎት ንዝዉዕሉ መብራህቲ ጎዳና ወይድማ ባዉዛ፡ ኮምፒተርን ፡ኤለክትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትሪን ጨንፈር ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ

ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ግብሪ መንግስቲ ዝከፈሉን ናይ 2007 ዓም ፍቃድ ንግዶም በቢዘርፉ ዘሐደሱን
  2. ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡን መረዳእታ መቅረባይነት ከቅርቡ ዝክእሉን
  3. መለለዩ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ ዘለዎም
  4. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን በቢወርሑ ናብ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ሒሳብ ዘውረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  5. መክበሪ ጨረታ ብጥረገንዘብ 5000 ቅርሺ ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ሲፒኦን ከትሕዙ ዝክእሉ
  6. ሰዓራይ ኣካል ዉዕሊ ዝኣስር ኣብ ዉሽጢ  5 መዓልቲ  ቀሪቡ ናይ ዝሰዓሮ 10% ዉዕሊ መክበሪ ብምሓዝ ይከዉን
  7. ሰዓርቲ ብናይባዕሎም መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትሪን ጨንፈር ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ
  8. ሰነድ ጨረታ ነናይባዕሉ ዘፈር ካብ 22 ጥቅምቲ ክሳብ 10 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡30 ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትሪን ጨንፈር ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ክፍሊ ቁፅሪ 1 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
  9. ጨረታ ዝዕፀወሉ 10 ሐዳር 2008  ዓም ሰዓት 4 ፡30 ኮይኑ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 7፡ 30 ድሕሪ ቀትር ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትሪን ጨንፈር ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ይክፈት
  10. ጨረታ ምሰተከፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 20 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ይከዉን
  11. ዋጋ ጨረታ እንትመልኡ ተወሳኪ እሴት ታክስ ይኩን TOT ካልኦት ክፍሊታትን ኣካቲቱ ክምላእ ይግባእ
  12. እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምአድላይነቱ ናይ ኣቅሓ መጠን ክሳብ 20 % ክዉስክን ክቅንስ ይክእል እዩ
  13. ፀሬት ኣቁሑት ብዝምልከት ኣቀዲሙ ዝተገለፀ መመዘኒ ረቋሒ  ብሳምፕል ወይ ብመርኣያ ኦርጂናል ማለት እዉን ትክክልኛ ኣቅሓ ብባዓል ሞያ ብምርግጋፅ ዝቅበል ይከዉን
  14. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0343460116 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo