ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝትርከብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንተምሃሮ ኣብ 2012 ዓ/ም ዝዉዕል መፃሕፍቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቃላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ቲን ናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ገይሮም ከትሕዙ አለዎም

3 ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2011ዓ/ም ዲክላስዮን ከቅርብ ዝክእል፤

4 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ምዝገባን መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል::

5 ናይቲ ጨረታ መከበሪ ብስፒኦ 4000 ሚኢታዊ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ካብ እስፐሲፊኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፤

7 እዚ ጨረታ ሲዒርኩም ምስ ተብሃለ አብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ አሲሩ እቲ ንብረት ከቅርብ ዝክእል፤

8 ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ምስ ሙሉእ ናይ ትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ፤

9 እቲ ጨረታ ቤት ትምህርቲና 20% ናይቲ ንብረት ምቅናስን ምዉሳክን ይክእል እዩ፤

10 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 20.00 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ /ጥቓ ቤተ መንግስቲ/ ቢሮ ቁፅሪ 360 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 2፡30 ክሳብ 6፡00 ምዉሳድ ትክእሉ፤

11 ቤት ትምህርትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺባ ብኽፋል ይኩን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰላ ዝተሐለወ እዩ::

12 እዚ ጨረታ ዕለት 24/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ኣዳራሽ ቃላሚኖ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኩሎ ተወዳደረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0345-599841 ምድዋል ይካኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo