ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፡ መሳርሒ ፅሕፈትን ፡ኤለክትሮኒክስን ካብ ሕጋዉያን መቅረብቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለ

ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ

ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ  ረቋሕታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም

ናይቲ ጨረታ መወዳደሪ ረቋሕታት

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ቅዳሕ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ
  2. ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለዩ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ነምበር ዘለዎ
  3. ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘቅርብ
  4. ቫት ማለት አዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴቱ ዝመልእን ናየ 30 መስከረም 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘቅርብን
  5. ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ንመለዋወጢ ኣቁሑትን መሳርሒ ፅሕፈትን ንኤለክትሮኒክስን ንሕድሕዶም 3000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ዝክእል
  6. ዋጋ ዝመልእሉ ሰነድ ጨረታ በቲ ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራይ እዮ
  7. ዋጋ ዝመልእሉ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 26 ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋለ ካብ 16 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ክሳበ 30 ጥቅምቲ 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡00 ናይ ንጉሆ ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣለ
  8. ሰነድ ጨረታ ተመሊኡ ብፖስታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ንዑኡ ተባሂሉ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 26 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 4፡ 00 ይኣትዉ
  9. እቲ ጨረታ 30 ጥቅምቲ 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡00 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይዉን ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 4 ፡30 ይክፈት መቅረብቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ትዘይ ተረኪቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ካብ ፖስታ ንምክፋት መሰሉ ሕሉዉ እዩ
  10. ተጫረቲ ዝስዕርዎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዐኒ መራገፍን ከምኡዉን መጋዕዝን ናብቲ ቤት ፅሕፈት ብዉዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0344401099 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል ወይድማ ቀበሌ 03 ቢሮ ፋይናንስን ኢኮነምያዊ ልምዓትን ዝነበረ ወይድማ ድሕሪ ህንፃ ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ መቀለ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo