ንኤጄንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ፣ ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ናይ ካፍተርያ ግልጋሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ዉዕሊ ክኣስር/ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ በዚ መሰረት ክትወዳደሩ ትደለዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

1  ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን መቕረባይነት ዘለኩም  

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቲን ናምበር ዘቕርብ ፣

3 ኣብ መንግስታዊ ይኹን ዘይመንግስታዊ ትካላት ክልተ /2/ ዓመትን ልዕሊኡን ናይ ካፍተርያ ስራሕ ልምዲ /ሰርተፊኬት/ ከቅርብ ዝኽእል ብዉልቀ ንዝሰርሑ ድማ ናይ ዓመታዊ ግብሪ ስራሕ ናይ 2 ዓመት ልዕሊኡን ናይ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝከአል

4 ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ኩከር ሰርትፊኬት ከቅርብ ዝክእል  

5  ናይ ሰራሕተኛታቱ ናይ ጥዕና ምርመራ ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእል

6 ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር መግለፂ ስፔሲፊኬሽን መሰረት ዋጋ መሊኦም ከቕርቡ ኣለዎም

7  መቕረብቲ ካብ ዕለት 07/12/2011 ዓ/ም ክሳብ 21/12/2011ዓ/ም ሰዓት 11፡30  ብር 50.00 ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ

8 ተወዳደርቲ መኸበሪ ጨረታ ብር 4000.00 ብሲፒኦ ብጥረ ገንዘብ ወይም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቸኽ ቅድሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም

9 ተወዳደርቲ ናይ ባዐሎም መሰርሒ ኣቁሑት ከም ፍርጅ፣ ቡሽ፣ በራድ፣ ፔርሙዝ፣ ናይ ሻሂ ማሽንካልኦት ከማለኡ ዘለዎም ከቅርቡ ይግባእ

10 ብቢሮና ዝፍቀድ ኣቅርቦት ገዛ ክራይ ወንበር ፣ ጠረዼዛ ፣ ቴሌቪዥን ፣ ማይ፣ መብራህቲ እዩ ካብዚ ወፃኢ ቢሮ ከቀርብ ኣይግደድን

11 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 22/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኮይኑ ፣ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

12 ሰዓራይ ትካል ኩሉ ግዜ ካብ ሰኑይ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት ምሸት ሰዓት 2፡30ን ዓመት ሙሉእ ግልጋሎት ክህብ ዝከአል

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ጨረታ በሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ  

ኣድራሻና ኤጄንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 105 ከየዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80  ኣብ ስራሕ ሰዓት ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

  

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo