ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን ንትካልና ግልጋሎ ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣቑሑት ማለት እዉን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ናይ ፅሬት መሳርሒ ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት፣ ናይ ህንፃ መሳርሕን ኣዉቶሞቲብን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን

1  ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2 ናይ 2011/2012 ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርትፊኬት ከተቕቡ አትክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቲን ናምበር ከቅርብ ዝኽእል

3 ናይ ቫት ሰርትፊኬት ዘቕርብ

4 ናይ ወርሒ ሰነ/ሓምለ 2011ዓ/ም ዴክለር ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቕቡ ትኽእሉ

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 11 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕሉኩም መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ከተቅርቡ ትኽእሉ

6 መወዳደሪ ዶክሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ኮምኡ እዉን ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክግበረሉ ይግባእ

7 ተጫረቲ ዘይምለስ 30 /ሳላሳ ብር/ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሌጅና ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ህንፃ ቁፅሪ 03 ካብ ዕለት 07/12/2011 ክሳብ ዕለት 22/12/2011 ሰዓተ 8፡00 እናመፀኩም ክትወድሱ ትኽእሉ

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኸበሪ ሎት 01 ፅሕፈትን ፅሬትን 3000 ብር ፣ ሎት 2 ኤሌክትሮኒክስ 3000 ብር፣ ሎት 3 ህንፃ 4000ብር ፣ ሎት 4 ኣዉቶማቲቭ 4000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብ ሲፒኦ ከተትሑዙ እትክእሉ

9 እትህብዎ ዋጋ ጨረታ ካብቭ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 14 መዓልቲታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸዉን

10 እቲ ጨረታ ዕለት 22/12/2011 ልክዕ ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

11 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ዝበለፀ ሓበሬታ 09 42 01 62 05 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo