ኣብ ናይ 2008 ዓ∙ ም በጀት ዓመት ናይ ፅሬት: ፅሕፈት መሳርሒ :ኤለክትሪክ :መሳርሒ ህንፃ :ከምኡዉን

ሆስፒታል መዓርግ

ኣብ ናይ 2008 ዓ∙ ም በጀት ዓመት ናይ ፅሬት፣ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ኤለክትሪክ ፣መሳርሒ ህንፃ ፣ከምኡዉን ቀወምቲ ናይ ኤለክትሮኒክስ አቁሑት ፣ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪናን ፣ጀኔረተርን ፣ናዉቲ ሕክምናን፣ መድሓኒትን ብጨረታ ክዕድግ ስለዝደለየ ኣብዚ ጨረታ ንክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቋሕታት ክተማልኡ ይሓትት

  1.  በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ከቅርቡ ዝክእሉ
  2. ቲን ነምበር ዘለኩም
  3. ናይ መንግስታዊ ጨረታ ክትሳተፉ ዝተወሃበኩም ፍቃድ ክተቅርቡ እትክእሉ
  4. ናይ ንግዲ ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ ኣለኩም
  5. ቫት ወይድማ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
  6. እቶም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት ብዋናን ዘይምለስ ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
  7. መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ንመሳርሒ ፅሬት 3000 ቅርሺ ፣ንፅሕፈት መሳርሒ ብተመሳሳሊ 3000 ቅርሺ፣ ናይ ህንፃን ኤለክትሪክን መሳርሒ 3000 ቅርሺ ፣ቀወምቲ ኣቁሑትን ኤለክትሮኒክስን  ድማ 2000 ቅርሺ ፣ንኣቁሑት መለዋወጢ መኪናን ጀነሬተርን 5000 ቅርሺ ፣ንናዉቲ ሕክምናን መድሓኒትን ብተመሳሳሊ 5000 ቅርሺ ክተቅርቡ እትክእሉ
  8. መቅረብቲ መድሓኒት ዝኮንኩም ዝተሓደሰ ናይ ሞያ ፍቃድ ክተቅርቡ ይግባእ
  9. ካብ ዘሸነፍዎ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መክበሪ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ 10 ሚኢታዊ ክተቅርቡ ይግባእ
  10. ናይ ሓደ ሰነድ ዋጋ 20 ቅርሺ ብምክፋል ክትገዝኡ ትክእሉ
  11. ናዉቲ መድሓኒትንሕክምናን ሰነድ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ክፍሊ ቁፅሪ 3 ኮይኑ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 15 ጥቅምቲ ክሳብ 30 ጥቅምቲ  2008 ዓ ም ሰዓት 5 ፡00 ቅድሚ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ምግዛእ ትክእሉ
  12. ናይ ፅሕፈት፣ ኤለክትሪክን ፣ህንፃ መሳርሕን ፣ቀወምቲ ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስን፣ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪናን፣ ጀነሬተርን ሰነድ ዝሽየጠሉ ቦታ ድማ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝርከብ ሆስፒታል ስሑል  ኮይኑ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ድማ ካብ 15 ጥቅምቲ  ክሳብ 3 ሕዳር 2008 ዓ ም ሰዓት 5፡ 00 ቅድሚ ቀትር እንዳመፃእኩም ሰነድ ክትገዝኡ ይግባእ
  13. ኣብ ክልል ትግራይ ጥዕና ቢሮ ዝሽየጡ ሰነዳት ናይ መድሓኒትንሕክምና ናዉትን ድማ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30 ጥቅምቲ  2008 ዓም ሰዓት 5፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ እቲ ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት ሰዓት 5 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ይከዉን
  14. ኣብ ሆስፒታል ስሑል ንዝሽየጡ ሰነዳት ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 3 ሕዳር ዓ∙ም ሰዓት 5 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ 3 ሕዳር 2008 ዓ∙ ም በቲ ዕለት ሰዓት 5፡ 30 ይከዉን
  15. እቲ ሆስፒታል ካብ ዘጫረቶም ጠቅላላ ዋጋ 20 ሚኢታዊ ክዉስክ ወይድማ ክቅንስ ይግባእ
  16. እቲ ሆስፒታል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹንብ ኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
  17. ሰዓራይ ዝኮነ ድሕሪ ጥርዓን መቀበሊ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልትታት ማለት እዉን ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0920862202 /  0914387011  ወይዉን 0348990069 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo