ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ምን ብናይ መደበኛ በጀት ናይቲ ወረዳ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈታት ኣገልግሎት ዝዉዕል መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፣ ፅገና ፕላንት ማሽነሪ ኣገልግሎት ዝህብ ኣብቲ ወረዳ ዝርከብ ዞባ ጣብያታት ፖሊስ ንዝተተሓዙ ተጠርተርቲ እስራት ምግቢ ሻሂን ባንን ንምቅራብን ዓመተዋ ዉዕሊ ክኣስር ስለ ዝደሊ ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሰ ቅዳሕ ዘተሓሕዝ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩምን፤

3 ኣብ መለዋወጢ ኣቁሑ እትወዳደሩ መቅረብቲ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስን ናይ ወርሒ ሰነ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ

2 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ ዝሐደሰን፤

4 ኩሉ ዝተሐተተ መረድእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ ዉሕስና ወይ መከበሪ ንመለዋወጢ ኣቅሑ መቅረብቲ  5000.00 ( ሓሙሽተ ሽሕ) ቅርሺ  ብስፒኦ ንካልኦት መቅረብቲ እትወዳደሩ ድማ 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ) ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስረሕ ዕደጋ ፋይናስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ናይ ዋጋ ዝርዝር መሊኦም ኣብ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ፡፡

7 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 27/11/2011 ዓ/ም ክሳብ 13/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ዘሎ ማዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ድማ 13/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብግልፂ ይክፈት፤

8 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታታሊ 45 መዓልቲ ኮይኑ  እቲ ቤት ፅሕፈት ፕላንት ማሽነሪ ፅገናን፣ ባንን ሻሂን ናይ ዓመት ዉዕሊ ዝኣስር ኮይኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ብኣወህባ ግልጋሎት ዝዓግብ እንተዘይ ኮይኑ ወይ ብበጀት ሕፅረት እቲ ዉዕሊ ናይ ምስራዝ ዝክእል ምካኑ ክፍለጥ ኣለዎ

9 ኣብ ፕላንት ማሽነሪን ፣ ባንን ሻሂን ዝተሓተ ዋጋ ዘቅረበ ሰዓራይ ይከዉን

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘቀረበ ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምውሳክ ወይ ምንካይ መሰል ኣለዎ፡፡

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346-610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo