ቤት ህንፀት መቐለ ኣብ 2012 ዓ/ም ንሓደ ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፅገናታትን ቀለም ፕሪንተራት ምምላእ፣ ንመካይን ንምፅጋን ምስ ውልቀ ጋራጅ ደረጃ 3ተን ልዕሊኡን ውዕሊ ንምእሳርን ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፅገና ፣ ዝተልዓለ ጉርዲ ፎቶ ምሕፃብ ጥራሕ ን2012 ዓ/ም ግልጋሎት ንምርካብ ውዕሊ ክኣስር ይደሊ፡፡

ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ በቢ ስራሕ ዘርፎም ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቃድን መቅረባይነትን ከምኡ ድማ መፍለይ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ መረዳእታ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል።

2 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ንጋራጅ መካይንን ምፅጋንን ዝወዳደሩ 5000 ብር ንፎቶ ንምሕፃብ ንፅገና ኤሌክትሮኒክስ ቀለም ምምላእ ዝወዳደሩ 1000ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም ኣብዚ ጨረታ እዚ ፎቶ ምሕፃብን ቀለም ምምላእን ፅገና ኤሌከትሮኒክስን ቫት ዘይተመዝገበ ክወዳደር ይክእል እዩ

3 ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ዝመልእዎ ዋጋ ድማ ምስ ቫቱ ተመሊኡ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈትና ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ተመሊኡ ብ2ተ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ደ/ከ/ሰ/ዕፋ/ን/ምን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይክእሉ።

4 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 26/11/2011 ዓ/ም ክሳብ 16/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ዘይምለስ  50.00 ብር እናኸፈሉ ካብ ደ/ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ /ምም/ር/ን ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይክእሉ። እቲ ጨረታ 16/12/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ሰዓት 5:00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት።

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ን ሎት 1ን 2ን 5000.00 ብር ፣ ንሎት 3ን 4ን 5ን 1000.00 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም።

6 ሰዓራይ ዝኮነንጋራጅ 10000 ብር ንኤሌክትሮኒክስ ፅገናን ፎቶ ምሕፃብን ቀለም ምምላእ 1000ብር መኸበሪ ዉዕሊ ዘትሕዙ ኮይኖም  ትካል ናይ ግልጋሎት ዝሃቦ ዝከፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 3000.00 ብር እንተኮይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝከፍል ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

7 መ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ዝርዝር ንብረት ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411454 ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo