ማእከል ቤት ህንፀት ዓብዩ ዓዲ ኣብ 2012 በጀት ዓመት ዘፈቀደልና በጀት ብምግባር ሕጊ ተሃነፅትን ቆፆሮ እስራትን ብሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ከመግብ ይደሊ

ዓብዮ ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል

1 በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘቅርቡ

3 ኣብ መቅረበቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ

4 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ምካኖም

5 ናይ ከፋሊ ግብሪ ቁፅሪ ቲን ናምበር ምህላዎም መረዳእታ ዘቅርብ

6 ተጫረቲ ግብሪ 2011 ዓ/ም ዝከፈሉ

7 ንግዲ ፍቃድ 2011ዓ/ም ዘሐደሱን ናይ ወርሒ ሓምለ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዝገበሩሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

8 ተጨረቲ ንሓደ ተሃናፃይ ብተወሳኪ እሴት ታክስ ብመዓልቲ 22 ቅርሺ ብወርሒ 660 ቅርሺ ምካኑ ፈሊጦም ክዋዳደሩ አለዎም

9 ተጨረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ደገ ኣፍ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓብዩ ዓዲ ምዉሳድ ይክእሉ

10 ተጫረቲ ዝጫረቱሉ መወዳደሪ ዋጋ ዘይተርፍ ክልስ መሊኦም  ብንፁር ሽምን ኣድራሻን ፌርማን ማህተምን ጌይሮም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ደገ ኣፈ ከይዲ ስራሕ ቁጠባን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ማእከል ቤት ህንፀት ዓብዩ ዓዲ ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ኣለዎም

11 ዝሰዓረ ነጋዳይ ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ዉዕሊ መከበሪ 10% ብምትሓዝ ዉዕሊ ኣሲሩ ስራሕ ክጅምር ኣለዎ

12 ዝሰዓረ ነጋዳይ  ናይቲ ትካልና ንብረት እንተሃልዩ  3ተ ወርሒ ብነፃ ይጥቀም ድሕሪ 3ተ ወርሒ ብክራይ ይጥቀም ወይ ድማ ብናይ ባዕሉ ንብረት ኣመዝጊቡ ይጥቀመሉ

13 ኣብቲ ትካል ናይ ምግብና ንብረት እንተዘይሃልዩ ነጋዳይ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ብናይ ባዕሉ ንብረት መሳርሒ ከመግብ ኣለዎ

14 ዝሰዓረ ነጋዳይ ኣብ ምግብና ንዝኮኑ መገብቲ ጋዉንን መሸፈኒ ፀጉሪን ኣቁሑን ብፅሬት ከቅርብ ኣለዎ

15 ዝሰዓረ ነጋዳይ ዝቆፅረን መገብቲ በብ3ተ ወርሒ ኣብ ጥዕና ትካል ናይ ጥዕና ምርመራ ክገብረለን ኣለዎ

16 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ 25/11/2011ዓ/ም ክሳብ 17/12/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅ/ሳ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ቅ/ሳ ይክፈት

17 ተጫረቲ ንመከበሪ ጨረታ ዝምለስ 15000.00 ቅርሺ /ኣሰርተ ሓምሽተ ሽሕ/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ኣለዎም

18 ተጫሪቲ ብዘይኣገባብ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ነጋዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ንወስድ ምካና ከምኡ እዉን መከበሪ ጨረታ ዘትሐዝዎ ገንዘብ ዝዉረስ ምካኑ ክፈልጡ ኣለዎም

19 ተጫረቲ ዝቅረብሎም ዝርዝር ቀረባት ናይ መንግስቲ ዘቀሞጦ መንግስቲ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ስጋ ንዝምልከት 250 ግራም ንሓደ ተሃናፃይ ዝነበረ ካብኡ ንላዕሊ ወሲካ ምዉድዳር ይካኣል ከምኡ እዉን ስጋ ዝሕረደሉ 2ተ ግዜ ኣብ ወርሒ ዝብል መመዘኒ ካብኡ ንላዕሊ ብምቅራብ ምውድዳር ይካኣል

20 ብተወሳኪ ኣብ ዓይነት ቀረብ 50% ሰርጌን ጣፍን  50% ከባቢ ዘፍረዮ እክሊ ዝብል ክሳብ 100% ሰርጌን ጣፍን ፃዕዳ ጣፍን ከቅርብ  ክወዳደር ይክእል እዩ

ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ወፃኢ ዘለዉ ቀረባት ግና መንግስቲ ዘቀርቦ መመዘኒ እኩል ስለ ዝከነ ኣብዚ ዘቀርብ ወሰክ ከም መወዳደሪ ዘይንጥቀመሉ ምካና ንሕብር

21 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁ/ሞ 0930314056/0914098882/0914154817 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

22 ኣብ ጨረታ ግዜ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክቀርቡ ኣሎዎም ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘይተረከብሉ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን

23 እቲ ማእከል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብከፊል ወይ ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

  

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo