ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዶግዓ ተንቤን ኣብ ወረዱኡ ዝርከባ ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ በደረጃ 4ተን ልዑሊኡን ዝርከቡ ጋራዣት ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ምስ ሰዓራይ ክሳብ 30/11/2012 ዓ/ም ዉዕሊ ኣሲሩ ክፅግን ስለ ዝደሊ ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ወረዳ ደጉዓ ተምቤን

1 በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘቅርቡ

3 ኣብ መቅረበቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ

4 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ዝምላእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክኮዉን ይግባእ

5 ደረጃ ጋራዥ 4ተን ልዕሊኡን ዝኮኑ ነዚ መረጋገፂ ካብ መንገድን መጓዓዝያ ዝተዋሃበ ንመረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 ንሕድሕድ  መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

7 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ካብ 24/11/2011ዓ/ም ክሳብ 14/12/2011ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ ኢኩም

8 መኸበሪ ጨረታ 3000 ብር /ሰለስተ ሽሕ/ ሕጋዊ ብዝኮነ ባንኪ ብዝፈልጦ ብመልክዕ  (cpo) ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

9 ዋጋ ዝተመለአ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተፈልዩ ብ 2ተ ፖስታ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ክቀርብ ኣለዎ

10 ጨረታ 15/12/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ዓርሶም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙለእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343390402 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል  

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo