ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘሎዎም ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጥምን : ናይ ኤሌክትሮኒክስ ንብረታትን : ኤሌክትሪክ ንብረታት : ፅሕፈት መሳርሒ ከምኡ እዉን ናይ ፈርንቸር ንብረት ብዝወፀ ስፐስፌክሽን መሰረት ካብ ሕጋዉያን ሰብ ሙያ መቕረብትን ሰብ ንብረት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቆሒ እተማልኡ ሰብ ሙያ ሕጋዉያን መቕረብትን ሰብ ንብረትን ኣብቲ ዝተዳለወ ናይ ግለፂ ጨረታ ሰነድ ክትሳትፉ ትኽእሉ::

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ

ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ መቕረብቲ ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ : ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለኩም : ቫት ተመዘገብቲ ምዃንኩም መረዳአታ መለለይ ካርድን ከምኡዉን ዝተሃደሰ ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩም ክትወዳደሩ ስለ እትክእሉ ናብ ትካልና ቤት ፅሕፈትና ብምቕራብ ዝርዝር ናይቲ አቑሑት ዝሐዘ ሰነድ ብር 50 /ሓምሳ/ ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምርን ብአካል ብምቕራብ ካብ ዕለት 16 /2/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02 /3/2008 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዉሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ/ክትዕድጉ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ተጫረቲ እዞም ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ግልፂ ጨረታ ከማልኡ ይግባእ::

  1. ምስቲ ስራሕ አግባብ ዘለዎ ናይ 2007/2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቅርበ ዝክእል

  2. ዝተመዝገበሉ መለለይ ካርዲ ዘለዎ ኮፒ ከቅርበ ዝክእል

  3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ምስክር ወረቐት ዘለዎነ ዝክፍልን ኮፒ ከቅርበ ዝክእል

  4. ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቀት ክቕርብ አለዎ ኮፒ ከቅርበ ዝክእል

  5. ናይቲ ጨረታ መክበሪ ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘለዎም ናይ ማይ ትቦታትነ መገጣጥምን ብር 5000 (ሓሙሽተሽሕ) : ናይ ኤሌክትሮኒከስ ንብረታት ብር 3000 ( ሰለስተ ሽሕ) : ናይ ኤለክትሪክ ንብረታትን ብር 4000 (ኣርባዕተ ሽሕ ) ከምኡ እዉን ናይ ፈርንቸር ንብረታት ብር 3000 (ሰለስተ ሽሕ ) ብኣፍለጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓዓዲ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዝብ ዝኽእል:;

  6. ቫት ሓዊሱ ከመልእ አለዎ::

  7. ናይ ወርሒ መስከረም ዴክላረሽን ዝክፈለሉ ኽቕርብ አለዎ::

  8. ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ፈሳስን ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን /ምም/ ር ብምዉሳድ ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፅን የእቱ::

  9. እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ክሳብ 02/3/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ንጉሆ ድሕሪ ይፀንሕ::

  10. ጨረታ ዝኽፈተሉ ሳፁን ዕለት 03/08/2007 ዓ/ም ሰዓት 2:31 ናይ ንጉሆ ይዕሸግ::

  11. ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ኮይኑ ዕለት 02/ 03 /2007 ዓ/ም ሰዓት 8:35 ንጉሆ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ዘይተረኽብሉ እዉን ኣማሊኡ እተተረኺቡ እቲ ጨረታ ፖስታ ዝኽፈት ምካኑ::

  12. ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጎዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ባዐሉ ይሽፍን/ ናብ ዓ/ ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ የረክብ::

  13. ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሸኒፉ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕል ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ተከታተለቲ ስራሕ መዓልቲታት ንብረት ብሙሉእነት የቕርብ::

  14. ብአሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ኣቑሑት ንዘይኣቅረበ መቕረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት አብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቕፃዕ::

  15. ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ አብቲ ዝወስዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል አቐሚጡ ክወዳደር አለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን ዉድቂ ይኽዉን::

  16. ካብ ዝተቀመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃእን አብቲ ቅጥዒ መብረሂ ኣብ ዝብል ምምላእን ኣይፍቀድን::

  17. ተወዳዳሪ ተጫራታይ አብ ዘቕርቦ ናይ ግለፂ ጨረታ ሰነድ ሽሙ : ፌርሙኡነ ኣድራሽኡን ማህተመ ናይቲ መቕረባይ (ድርጅት ) ብትክክል ዘየቐመጠ ንምንባብ አፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ አሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ::

  18. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

  19. እቲ ዝቐርብ ሕድ ሕድ ንብረት ኦርጅናል ክኽዉን አለዎ::

  20. ናይ ኤሌክትሪክ ኳልኩሌተር: ድጅታል ካሜራ: ኮምፒተር ሕድ ሕዶም ናይ ሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ ዝኽእል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo