ማእከል ቤት ህንፃት ኣክሱም ኣብ በጃት 2012 ዓም ንሰራሕተኛታትን ተሃነፅትን ሕግን ግልጋሎት ሰርቪስ ዝህባ ክልተ ሚኒባስ መኪና ክካረይ ስለዝደለየ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዊያን ነጋዶ ነዞም ዝስዕቡ ረቆሒታት ክተማልኡ ይዕድም

ቤት ህንፀት ኣክሱም

1 ናይ 2011 ዓ/ም ን ናይ 2012 ዓም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም፤ መቅረባይነት መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም

2 ክፍሊት ዓመታዊ ግልጋሎት ግብሪ ዝከፈለ ምካኑ መረጋገፂ ዘቅርብ

3 ናይ መኪና ብርኪ ማለት እዉን ለቨል ቀደማተይ ወይ ካልአይ ብርኪ ዝኮነት

4 ሙሉእ አንሹራንስ ወይድማ ሳልሳይ ወገን ዝአተወት ምካና መረዳእታ ዘቅርብ

5 በዝሒ ሚኒባስ መኪና ክልተ ኮይነን ነብስወከፍ ሊብሬን ዓሰርተ ክልተ ሰብ ዝሕዛ ክኮና አለዎን

6 ናይታ መኪና ዝገልፅ ማንነት ሕጋዊ ሌብሬ ዘለዎ

  7 ሕጋዊ ዝኮነ መግንሒ ፍቃድ ካብ ሳልሳይ ንላዕሊ ክከዉን አለዎ

8 ናይ ሽፌር ማሃያ ናይ መኪና ነዳዲ ፅገና ካልኦትን ብባዓል ዋና መኪና ዝሽፈን ይከዉን

9 ዉዕሊ ዝተኣሰረለን መካይን ዝኮነ ብልሽት እንተጋጥመን ካብ ጋራጅ ክሳብ ዝወፃ እቲ ግልጋሎት ከየቆረፀ በዓል መኪና ብተመሳሳሊ በዓሉ ዝሽፍን ምከኑ

10 ካብ ተራ ቁፅሪ 1-7 ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ አለዎ

11 እዚ ጨረታ እዚ በጃት መሰረት እናገበረ ዝፍፀም ካይኑ ብዝምላእ ዋጋ ኮንትራት ከም ኣድላይነቱ በቢ ኣርባዕተ ወርሒ ዉዕሊ ዝኣሰርን ዝሐድስን ይከዉን

12 እቲ ግልጋሎት ካላንድርን ቀዳምን ሰንበትን ኣይሓዉስን

13 እቲ ጨረታ ዝወፀሉ ካብ 16/11/2011 ዓም ክሳብ 2/12/2011 ዓም ሰዓት 4:15 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዘ እቲ ሰነድ ጨረታ መሸጢ ዋጋ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እናወሰድኩም ኣብ ሳንዱቅ ጨረታ ንዝተነፀረ ዝርዝር ብዘይ ስርዝ ድልዝ መሊእኩም ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 ዝርከብ ሳንዱቅ ጨረታ እተእትዉ ምካንኩም ንሕብር

14 መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ስፒኦ ከትዝሕዝ ዝክእል

15 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ በቲ ንሱ ካይኑ ዕለት 2/ 12 /2011 ዓም ሰዓት 4:15 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ዘይተረከብ ተጫራታይ ፖስቱ ይክፈት ንዝቅርቦ ሕቶ ግን ተቀባልነት ዘይብሉ ምካኑ ክፈልጥ አለዎ

16 ጨረታ ዝተዓወተ በዓል መኪና ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ስራሕ ክጅምር ዝክእል

17 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo