ኣብቲ ቢሮ ንዝርከባ ከይዲ ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ሎት ሓደ መሳርሒ ህንፅ ሎት ክልተ ንብሄራዊ ፈታና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ቅጥዕታት ምሕታምን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከሕትምን ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ
  1. ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

  2. መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን

  3. ናይ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብን

  4. ሰነደ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 12 ተረኪብካ ምዉሳድ ይከኣል

  5. ጨረታ ብድምፂ ወያነ ካብ ዝተጋወሐሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ዝሽየጥ እንትከዉን ጨረታ 30 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 8፡ 45 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 9 ፡00 ድሕሪ ሰዓት ይክፈት

  6. መክበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

  7. ተጨራታይ ሰዓራይ ምካኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

መተሓሳሰቢ

ዝኮነ ተጫራታይ ብዝዓባ እቲ ሰነድ ጨረታን ካልእ መብርህን ዘድልዮም እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል

ሰዓራይ ጨረታ ንብረት ኣታዊ ዝገብረሉ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ኮይኑ እቲ ንብረት ድማ ፅሬቱ ብባዓል ሞያ እቲ ቤት ዕዮ ክረጋገፅ ይግባእ

እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344403477 ብተወሳኪ 0344408299 ደዊልካ ይኩን ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo