ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዉቅሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ሆስፒታል ደቂሶ ንዝሕከሙ ሕሙማት ግልጋሎት ምግቢ ሸቀጣ ሸቀጥን ብግልፂ ጨረታ ኣ 2012 በጀት 1ይ ፍርቂ ዓመት ኣወዳዲሩ ውዕሊ ኣሲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ዝምልከተኩም መቅረብቲ በቲ አብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም።

ሆስፒታል ዉቅሮ

1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድን ንግዲ ስራሕ መረዳእታ ዘቅርብ፤

2 ናይ ሸቀጣ ሸቀጥ ጥራሕ ዝምልከት ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ብቢሮ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ ከፋልቲ መለለይ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡን፤

4 ንመንግስቲ ካብ ዊዝሆልዲንግ ንምክፋል ዝተገለፀ ብርን ንላዕልን እንተቅርብ 2 ሚኢታዊ ዊዝሆልዲንግ ታክስ ክቆርፅ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 12/11/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 26/11/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 30.00 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ።

6 እቲ ጨረታ ዕለት 26/11/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተተረኪቦም ይምረፅ።

7 ተጫረትቲ ናይ ሸቀጣ ሸቀጥ ዝምልከት ናይ ሸቀጣ ሸቀጥ ዝምልከት ናይ ንግዲ ፍቃድን ከቅርብ ዝክእሉ፤

8 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብ 10% ናይቲ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መኸብሪ ብዝተረጋገፀ ባንኪ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ክትሕዙ ግዴታ አለዎም።

9 ጨረታ ዘሸነፈ በቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ተቀሚጡ ዘሎ በዝሒ መሰረት ኣብ ዘድለየሉ ብናይ ሆስፒታልና ትእዛዝ ክሳብ ታሕሳስ 30/2012 ዓ/ም በቲ ዝሰዓሮ ዘሸነፎ ዋጋ ከቅርብ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

10 ተጫረትቲ ብናይ ባዕሎም መራገፍን ከምኡ እውን ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈትና ስቶር ክፍሊ ከቅርቡ ዝክእሉ ምዃኖም፤

11 ተጫረቲ ንጨረታ መከበሪ ብር 3000.00 ሽሕ ብር ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእሉ፤

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ:

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-430057 ደዊልካ ሐበሬታ ምርካብ ይከኣል


ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo