ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ ናይ ሓለዋ ስራሕቲ፣ ናይ ፅሬት ስራሕቲ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ፡፡

ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይዚ ዘመን ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ሰርቲፊኬት ከቅርብ ዝክእል፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ዝተመዝገበ ኮይኑ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ ሓምለ 2010ዓ/ም ቫት ዲክላሬሽን ከቅርብ ዝክእል፤

4 መቅረባይነት ዝተኸመዝገበ ምካኑ ሕጋዊ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መመርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 30.00 እናከፈሉ ካብ ኤጀንሲና ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን 5ይ ደብሪ ካብ ዕለት 10/11/2011ዓ/ም ክሳብ 24/11/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ምውሳድ ይክእሉ፤

6 ዝቐርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ንበይኑ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ  ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ላዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ስልኪ ቝፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምኻኑ ናይዚ ቤት ዕዩ ሽም ክሕብር አለዎ፡፡

7 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መክብሪ ጨረታ ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ንብረት ን ሓለዋ ስራሕቲ ብር 4,000.00 /ኣርባዕተ ሽሕ/ ን ፅሬት ስራሕቲ 4,000.00 /ኣርባዕተ ሽሕ ቅርሺ/ ብሽም ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብCPO ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዩ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ዝክእሉ::

8 እቲ ጨረታ ዕለት 25/11/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቕድሚ ቐትሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት አብ ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ን ፊት ሆቴል ፕላኔት ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 5ይ ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተአጓጎልን፡፡

9 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክኸዉን አለዎ ተዘይኾኑ ቫት ከምዝሐወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ፡፡

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ይኸዉን፡፡

11 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

መተሓሳሰቢ ንተወሳኪ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0342-400009 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከአል ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo