ንኣገልግሎት ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ዝውዕል ንመፀገኒ መካይን ማለት ውን ጋራዥ፣ ፅገና ኤሌክትሮኒክስን ሓፂን መፂን ስራሕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኣገልግሎት ክረክብን ከስርሕን ስለዝደሊ ዝተዋፈርኩም ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ኤጀንሲ ማዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ

ተማልእዎም ዝግብኦም ረቋሕታት

1 ናይ 2011ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም፤ (ቲን ናምበር) ዘለኩም፤

2 ንፅገና ኤሌክትሮኒክስ ዝኮኑ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ክወዳደሩ ይክእሉ እዮም፡፡

3 ንፅገና መካይንን ጋራዥን ድማ ተመዝገብቲ ተወሳኪ አሴት ታክስ ዝኮኑን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ምስክር ናይ ወርሒ ግንቦት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳታ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ናይ መኸበሪ ጨረታ ንፅገና ኤሌክትሮኒክስ 1000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ንመፀገኒ መካይን ማለት ውን ጋራዥ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሓፂን መፂን 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መመርሒን ጨረታን ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ቢሮ ቁፅሪ 115 ክሳብ ዕለት 18/11/11 ዓ/ም ምውሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 18/11/2011 ዓ/ም 3:30 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 18/11/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ይኸውን።

7 ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ዓይነት ኣቅሓ መሰረት ምካኑ ኣረጋጊፁ ክመልእ ይግባእ፡፡

8 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

9 ጨረታ በዘይ ኣግባብ ከዛብዕ ዝፈተነ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፉ ዘኽይድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምዃኑ ክፈልጡ ይግበእ።

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን60 መዓልቲ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-401209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo