ናይ ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ግልጋሎት እናሃቡ ዝነበሩ ዘገልገሉ ኣቅሑት ናይ ኮምፒዩተር ላፕቶፕን ኣክሰሰሪ ተዛማድን/ ኤሌክትሮኒክስ/ ኣቅሑት፣ ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት፣ ናይ መኪና መለዋወጢ / ስፔር ፓርት/ ኣቅሑት፣ ናይ መኪና ጎማ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደሊ ዝተዋፈርኩም ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ኤጀንሲ ማዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ

ተማልእዎም ዝግብኦም ረቋሕታት

1 ናይ 2011ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም፤ (ቲን ናምበር) ዘለኩም፤

2 ተጫረቲ ናይ መኸበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣  ከትሕዝ ዝክእል፤

3 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መመርሒን ጨረታን ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ቢሮ ቁፅሪ 115 ክሳብ ዕለት 11/11/11 ዓ/ም ምውሳድ ይከኣል።

4 ሰነድ ጨረታ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/11/2011 ዓ/ም 8:30 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 11/11/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ይኸውን።

5 ጨረታ ዝሰዓሩ መቅረበቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ወፃኢ መጓዓዝያን መፅዓንን  መራገፍን ይወስዱ፡፡

6 ጨረታ ሰዓሪ /ዓደጊ/ ንኩሉ ዓይነት ንብረት ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ብዘሸነፎ ዋጋ መሰረት ጠቅሊሉ ኣራዊ ምስገበረ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ንብረት ከልዕሉ ይግባእ፡፡

7 ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ዓይነት ኣቅሓ መሰረት ምካኑ ኣረጋጊፁ ክመልእ ይግባእ፡፡

8 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

9 ጨረታ በዘይ ኣግባብ ከዛብዕ ዝፈተነ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፉ ዘኽይድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምዃኑ ክፈልጡ ይግበእ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-401209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo