አብ 2008 በጀት ዓመተ ንግልጋሎት ኣብያቲ ፅሕፈት ወረዳና ዝዉዕሉ ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስ፣ አቁሑት ቢሮ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

አብ 2008 በጀት ዓመተ ንግልጋሎት ኣብያቲ ፅሕፈት ወረዳና ዝዉዕሉ ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስ፣ አቁሑት ቢሮ ፣ አቁሑት ሕክምናን ዝተፈላለዩ መፃሕፍትን ኣወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን ከስርሕን የደሊ በዚመሰረት ቀፂሎም ዝግለፁ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

  1. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ፣በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓ ም ፍቃድ ንግዲ ፣ናይ ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስን ኣቁሑት ቢሮን ምዝገባ ቫት  ፣ናይ ወርሒ ነሓሰ ዲክላራሽን ከምኡዉን ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት
  2. ንሰነድ ጨረታ  ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ምዉሳድ ይከኣል
  3. መክበሪ ጨረታ ንአቁሑት ቢሮ 5000 ቅርሺ፣ ንኣቁሑት ኤለክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ፣ ንኣቁሑት ሕክምና  3000 ቅርሺ ፣ናይ መፃሕፍቲ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይእዉን ብሲፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብዝወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ተጫረቲ ከትሕዙ ኣለኩም
  4. ሳነዱቅ ጨረታ ዝርከበሉ ቦታ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም  እንትከዉን ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2008 ዓም ጀሚሩ ንተጨረቲ ክፍቲ ይከዉን
  5. ጨረታ 2 ሕዳር 2008 ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይዉን ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  6. ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወሉ ቋንቋ ትግርኛ እዩ
  7. እቲ ናይ ጨረታ መዓልቲ በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ እቲ ጨረታ ይካየድ
  8. ተጫረቲ ናይ ዘቅርብዎ ንብረት ክፍሊት ንክፍፀም ዘቅርብዎ ንብረት ብባዓል ሞያ ተረጋጊፁ ምስሓለፈ ይከዉን

ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344451137 ወይንድማ  0914777686 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo