ብናይ መደበኛ በጀት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድ ሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኣቑሑት ክዕድግ ይደሊ

ማእከል ምርምር ሕርሻ ማይ ፀብሪ

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቋሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስተትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ

ሎት 1 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት (Spare parts)

ሎት 2 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ (Stationary)

ሎት 3 ናይ ፅሬት ኣቑሑት

ሎት 4 ናይ ህንፃ መሳርሒ

1 ብተዛመዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝክእልን ኣብ ናይ መቐረባይ ዘተመዝገብን ግብሪ ምክፋሉ ምስክር ወረቀት ኮፒ ከቕርብ ዝክእል

2 ናይ መኪና መለዋወጢ ጨረታ መትሓዚ ብር 3000 (ሰለስተ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሽረ ማይፀብሪ ዝተሰርሐ CPO ከትሕዙ ይግባእ

3 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ህንፃ መሳርሐን ጨረታ መትሓዚ ብር 2000 (ክልተ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሽረ ማይፀብሪ ዝተሰርሐ CPO ከትሕዙ ይግባእ

4 ናይ ፅሬት ኣቁሑት መትሓዚ ብር 1000 (ሐደ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሽረ ማይፀብሪ ዝተሰርሐ CPO ከትሕዙ ይግባእ

5 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ነሐሰ 2007 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መዳእታ ፈፎቶ ኮፒ ኸቅርቡ አለዎም

6 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቕርቡ ዘለዎ እንትከዉን ዋንኡ/ኦርጅናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቃድ: ቲን ዝተመዝገቡ :ቃለ መሓላ : ናይ ኣቅራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከተሓሓዝ አለዎ

7 ሰነድ እቲ ጨረታ አብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 20 (ዒስራ ብር) ከፊሎም ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይክእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቐረብዎ ናይ መወዳደሪi ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም

8 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብረሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዩም ቐደም ካብ ዘተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 44 05 49 ክሓቱ ይኽእሉ

9 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 12/02/2008 ዓም እስካብ 30/02/2008 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 30/2/2008 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ አብዚ ዕለት እዙይ ማለትዉን 30/02/2008 ዓም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይክፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝክፈተሉ ግዘ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጋጉልን

10 ማእከል ምርምር ሕርሻ ሽረ ማይፀብሪ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

አድራሻ : ዒላላ ፈልሲ ጣብያ

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo