ቤት ማዘገጃ ወረዳ ፀገዴ ፀገዴ ካብ ናይ ስሩዕ በጀት 2011ዓ/ም ንናይ ባውዛ መብራህቲ ኣገልግሎት ዝውዕል ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ማዘገጃ ከተማ ንጉስ ፀገዴ ወረዳ

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር በቲ ዘፈር ዘለኩም፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ቲን ናምበር ዋናን ቅዳሕን ከተቅርቡ ትክእሉ፤

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ግንቦት 2011ዓ/ም ወርሓዊ ሒሳብ ዝገብርኩምሉ መረዳእታ ከተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ሰነድ ጨረታ ካብ 30/09/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 19/10/2011ዓ/ም ኣብ ቤት ማዘገጃ ከተማ ንጉስ ወረዳ ፀገዴ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል፡፡

4 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ክተትሕዙ ትክእሉ፡

5 ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ወረዳ ፀገዴ ንጉስ ቤት ማዘጋጃ ሳንዱቅ ጨረታ 19/10/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ብዘይ ምርካቦም ናይ ጨረታ ሰነድ ኣይተኣጓገልን፡፡

7 ተጫረቲ ሰዓራይ ድሕሪ ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ 10 ሚኢታዊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ክተትሕዙ ትክእሉ፡

8 ቤት ማዘጋጃ ከተማ ንጉስ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

9 እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን35 መዓልቲ ይከውን፡፡

10 ናይቲ ጨረታ 20 ሚኢታዊ ምውሳክ ወይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0909-060762/0918-450217/0914-253331 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo