ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከላዎትን ማኑፋከቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ንዝ/የ ዘገልገለ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡

ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ

1 መከበሪ ጨረታ ብር 1500 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

2 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ክወስድ ዝክእል፤

3 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንበረት ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ንብረት እንተዘይወሲዱ ንመከበሪ ጨረታ ዘትሐዞ መጠን ገንዘብ ናይ መንግስቲ ኣታዊ ይከውን፤

4 ተጫረቲ እተቅርብዎ ናይ ሓደን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር ተመሊኡ ከቅርብ ይግባእ ብንፁር ዝርአ እንተዘይኮይኑ ግን ካብ ውድድር ወፃኢ ከምዝከውን ነፍልጥ፤

5 ንመሸጣ ዝተዳለወ ንብረት ናብ ኤጀንሲና ብኣካል ብምምፃእ ኩነታት እቲ ንብረት ሪኦም ዋጋ ክመልኡ ኣለዎም፤ ሪኦም ዋጋ እንተዘይመሊኦም ድሓር ንዝመፅእ ሕቶ ተቀባልነት የብሉን፤

6 ንመሸጣ ዝተዳለወ ዝርዝር ንብረት ካብ ኤጀንሲና ምውሳድ ዝክእሉ ኮይኖም ካብ ዕለት 26/09/2011ዓ/ም ክሳብ 05/10/2011ዓ/ም ሰዓት 2፡30 ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ልፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 5ይ ደብሪ ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከላዎትን ማኑፋከቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ /ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን/ ቢሮ ቁፅሪ 7 ክተቅርቡ ንዕድም፡፡

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/10/2011ዓ/ም 2፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 3፡00 ተወዳደርቲ ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ እንተዘይተረኪቦም እውን ጨረታ ዝክፈት ይከውን፡፡

8 ተወዳደርቲ ኣድራሻኦም፣ ሽሞምን ሞባይል ቁፅሮምን ብንፁር ክመልኡ ኣለዎም፤

9 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-400009 ምድዋል ይከኣል፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo