ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ፣ ሕትመት፣ ኣቅሑት ቢሮን፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍዕም ይደሊ፡፡ ስለዚ እዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትጫረቱ ብግልፂ ጨረታ ይዕድም፤

ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ

1 ኣብ ናይ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ዝሳተፉ ኣካላት ዝሳተፉ ትካላት ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ፣ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ ናይ መቅራባይት ዘለዎ ,ቫት ምዝገቡ ዝኮነ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ዝገበረ ክከዉን

2 ኣብ ናይ ኣቅሑት ቢሮ ኤሌክትሮኒክስ ዝሳተፉ ትካላት ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ፣ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ ናይ መቅራባይት ዘለዎ

2 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ናይ ኤሌክትሮኒክስ 2000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ንኣቅሑት ቢሮ 2000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንናይ ሕትመት ድማ ብር 2000.00 CPO ከትሕዙ ዝክእሉ፤

3 ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30.00 ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱ፤

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/10/2011ዓ/ም ዓም ሰዓት 9:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 11/10/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኽፈት፤

5 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቃለሐሉ /ዝልጠፈ/ ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቖሒ /ስፐስፊኬሽን/ መሰረት ኮይኑ ናይ ሕትመት፣ ኣቅሑት  ቢሮን፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን  ካብ ዕለት 27/09/2011 ክሳብ 10/10/2011 ዓ/ም ሰነድ ምስተገዘአ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናል ኮፒን ብምንፃር ብክልተ ፖስታ ከቅርቡ ይግባእ ዝግባእ ኾይኑ እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን45 መዓልቲ ይኸዉን፤

6 አድራሻና ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ አብ ኮምፕሌክስ ናይ ሐባር ህንፃ: ህንፃ 1 /Block 1/ ኣብ መሬት ቢሮ ቁፅሪ 245 እዩ፡፡

7 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል እዩ፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo