ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ን2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓብይ ዓዲ ብጃይካን ክስራሕ ተታሒዙ ስለዘሎ ቅድሚት ቦታ ክንፀር ስለዝተደለየ ድሕሪ ኮሌጅ መምህራን ኣመራርሓ ትምህርትን ዓብይ ዓዲ ዘሎ ሓመድ ናብ መሰናድኦ ናብ ኣንፈት ሰሜን ቅድሚ ሐዚ ቤት ህንፀት ዝነበረሉ ከባቢ ዝርከብ ሽንጥሮ ንምድፋእ ሲኖትራክ 16 ሜ3 ክትሕዝ ትክእል ብፀዓኒት ማለት ሎደር ከቅርብ ዝክእል በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብዮ ዓዲ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2011 ዓ/ም ዘሐደስኩም

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 መለለይ ካርዲ መቅረባይነት ዝተውሃቦ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለኩም፤ ናይ ወርሒ መጋቢት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::         

5 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፤

6 ንጨረታ መክበሪ 6000.00 ሽሕ ቅርሺ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 50.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ትት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ ቁፅሪ 6 ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ ነተሓሳስብ፤

9 ምልክታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት ካብ 22/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 07/10/2011 ዓ/ም እንትከዉን 4:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 07/10/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 07/10/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክረከቡ ኣለዎም፡፡

12 ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንካይ ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፈቀድን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344-461121 ብምድዋል ይሕተቱ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo