ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ዝ/ዩ ንብረታት ንምድብ 1- ንዳታ ማእከል መስፋሕፍሒ ዘገልግሉ ኣቅሑት materials for data center types of device and expansion /፣ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ርክብን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታከስ /VAT/ ዝተመዝገቡ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርተፊኬት ናይ ሚያዝያ መጋቢት 2011 ዓ/ም ቫት ድክለሬሽን ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ውዕሊ ኣሲሩ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ናብ ኤጀንሲና ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ እቲ ንብረት ከእቱ ዝክእል፤

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ ብር 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ጥራሕ እናከፈሉ ካብ ናይ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 6 ካብ ዕለት 23/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 07/10/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚእኩም ክትወዳደሩ ትክእሉ፤

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ሰነድ ጨረታ ብር 2000.00 ብር ብሸም ኤጀንስና ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ / Information Communication Technology Agency / ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ኤጀንስና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል፤

9 ተጫረቲ ንዝወዳደረሉ ምድብ /ሎት/ በቲ ዝተዳለወ ስራሕ መዘርዘር ወይ ስፔስፊኬሽን መሰረት ኣብ ውሽጢ 14 መዓልቲ እቲ ንብረት ከቅርብ ዝክእል፤

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ግልፂ ጨረታ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 35 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከውን፡፡

9 እቲ ጨረታ ዕለት 07/10/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 9:00 ቅ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ርክብን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ደጀን ቢሮ ቑፅሪ 106 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት።

10 ብሕድሕድ ዝቀረበ ዋጋ ሰዓራይ ሓደ እንተዘይኮይኑ ብድምር ዝቀረበ ዋጋ ብምውድዳር ሰዓራይ ይፍለ፤

11 ኤጀንሲና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

12 እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ኤጀንስና ናይ ዝግዛእ ንብረትን ዋጋ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ፡፡

13 ሰዓራይ እቲ ዝሰርሖ ናይ ስልጠና ስራሕቲ ይኹን ንብረት ብበዓል ሞያ (ብፅሬት መረጋገፂ ኮሚቴ) ተፈቲሹ ትክክለኛነቱን ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ክፍሊት ይፍፀም።

ሐበሬታ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342-400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo