ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንቢሮ ማይ ሃፍቲ ግልጋሎት ዝውዕል ሕትመት ስራሕቲ፣ ኤሌክትሪክ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ጎማ ምስ ካላማደሪያ ፣ ፓምፕን፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ 2011ዓ/ም ዘለኩም ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር መለለይ ቁፅሪን ከፋላይ ግብሪ ዘለዎም፣ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቀት ምስክር ዘለዎምን፣ ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ወረቀት ምስክር ዘቅርብን፣

2 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 22/09/2011ዓ/ም ጀሚርኩም ምውሳድ ትክእሉ፤

3 መከበሪ ጨረታ ንስራሕቲ ሕትመትን 4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስን  4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኤሌክትሪክ 4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ጎማ ምስ ካላማደሪያ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንፓምፕ 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ክተትሕዙ ትክእሉ፤

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ነንበይኑ ብምዕሻግ ከቅርብ ዝክእል፤

5 እዚ ጨረታ 06/10/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 9፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡10 ይክፈት፡፡

6 እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

7 መከፈቲ ጨረታ ኣብ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ ይከውን፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344-403655/0914-032454 ምድዋል ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo