ንቲ ቤትፅሕፈት ግልጋሎት ስራሕቲ ዝዉዕሉ ንናይ 2008 ዓ ∙ም በጀት ድማ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ፕሮጀክት ህንፃ መሳርሕን ወርክሾፕን ዘገልግሉ

ቤት ህንፀት ኣክሱም

ንቲ ቤትፅሕፈት ግልጋሎት ስራሕቲ ዝዉዕሉ ንናይ 2008 ዓ ∙ም በጀት ድማ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ፕሮጀክት ህንፃ መሳርሕን ወርክሾፕን ዘገልግሉ ካልኦት ንብረታትን ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ነጋዶ ነዞም ዝተገለፁ ንብረታት ንምዕዳግ እንተደሊኩም ክተማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ

  1. ናይ 2007ን 2008 ን ዓ∙ ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
  2. 2007ን 2008ን ዓ ∙ም ዝተሓደሰ  መቅረባይነት ካርዲ መለለዩ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ነምበር  ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ምስክር ወረቀት  ከምኡዉን ክሳብ ወርሒ ነሓሰ 30 2007 ዓ∙ ም ወይድማ መስከረም 30 2008 ዓ ∙ም ቫት ዲክላራሽን  ሪፖርት ዝገበርኩም ምስዘይምለስ ቅዳሕን ዋናን ክተቅርቡ እትክእሉ
  3. ተጫረቲ ኣብ ዝቀርብ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን ።ከምኡዉን ናይቲ ትካል  ሽምን ፊርማን  ኣድራሻን  ክህሉ ኣለዎ ። እቲ ጨረታ ዝርከበሉ ማእከል ቤት ሀንፀት ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 12 ብምቅራብ ንዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ  ንምዕዳግ ዘየምለስ 30 ቅርሺ  ብምክፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት  መፂኢኩም ክትወስዱ ንሕብር
  4. እቲ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2008 ዓ∙ ም ክሳብ ዕለተ 25 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 4፡ 00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ግዘ ብዝተዓሸገ ፖሰት ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝርከብ ሳንዱቅ ክተእትዉ ትክእሉ
  5. እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት እሱ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4፡ 15 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት  ዘይተረከበ ተጫራታይ ድማ ፖስታ ይክፈት  ንዘቅርብዎ ሕቶ ግና ተቀባልነት ዘየብሉ ምካኑ ክፈልጥ ኣለዎ
  6.  ንፅሕፈተ መሳርሒ  መክበሪ ጨረታ 3,000 ቅርሺ ንናይ ፕሮጀክትን ወርክሾፕን  5,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዙ ክክእል ኣለዎ
  7. እቲ ጨረታ ዝሰዓር ተወዳዳራይ ብመምርሒ መሰረት መክበሪ ዉዕል ብጥረገንዘብ 10 ሚኢታዊ ካብ ዝሰዓሮ ንብረት ትሕጃ ከትሕዝ  ዝክእል
  8. ሰዓራይ ጨረታ ንብረት ወዕል ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንፅሕፈት  መሳርሒ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ  ፣ንፕሮጀክትን  ወርክሾፕን  ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልትታት ብናይ ባዕልቶም መጋዕዝያን መፅዓንን መራገፍን  ወፃኢ ሸፊኖም ናብ ቤት ህንፀት ከተማ ኣክሱም ንብረት ክፈሊ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ
  9. ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም እቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347734682 ምድዋል ይከኣል እዩ

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo