ኢንስቲትዮት ምርምር ጥዕና ክልል ትግራይ ንኤሲ ጠቅላላ ሰርቪስን ፅገናን ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡

ኢንስቲትዮት ምርምር ጥዕና ክልል ትግራይ

ክማልኡ ዝግብኦም

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፍቃድ መለለዮ ግብሪ ከፋላይነት ዘለኩም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ፣ናይ መቀርባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም

2 መከበሪ ጨረታ 15000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ክተትሕዙ ትክእሉ፤

3 ሰነድ ጨረታ ብሽሚ ብዝተዓሸገ ፖስታ ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ንኡስ ከ/ስ/ዕ/ፋ ኣብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታው ትክእሉ፤

4 እቲ ጨረታ 05/10/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡00 ይክፈት፡፡

5 ሰዓራይ ትካል ብዝተውሃቦ ዝርዝር መዐቀኒ ክሰርሕ ይግባእ፡፡

6 ሰነድ ጨረታ ዋጋ 100 ቅርሺ እናከፈሉ ካብ ንኡስ ከ/ስ/ዕ/ፋ ምውሳድ ይክእሉ፤

7 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ጨረታ ሰነድ ይመልከቱ ስልኪ ቁፅሪ 0342-413795 ምድዋል ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo