ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት ደቀቅቲ መሳርሒ፣ ኣቅሑትን ኤሌክትሮኒክስን፣ ኣቅሑት መራከቢ ሓፋሽ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ

1 በዚ ዘፈር ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ቅዳሕ ክተቅርቡ ኣለኩም፤

2 ወረቐት ምስክር መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ቅዳሕ ክተቅርቡ፤

3 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ቅዳሕ ክተቅርቡ፤

4 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝመዝገበን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኸእሉ ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ቅዳሕ ክተቅርቡ።

5 ተጫረቲ ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ናይ ፅሕፈትን መሳርሕትን ደቀቅትን ኣቅሑትን ሰነድ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ /ሓምሳ) ፣ ናይ ኣቅሑትን ኤሌክትሮኒክስን፣ ኣቅሑት መራከቢ ሓፋሽ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ እናኸፈልኩም ካብ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መተሓባበሪ ጠቅላላ ግልጋሎትን ስምሪትን ዕደጋን ኣድራሻ ካብ ቤት ትምህርቲ ገረብ ፀዶ ንኣንፈት ዓይደር 500 ሜትሮ እትው ኢልካ እንዳሩፋኤል ቤተክርስትያን ፊትንፊት ዝርከብ ህንፃ፤

6 ካብ ዕለት 16/09/2011ዓ/ም - 30/09/2011ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓትን መዓልትን እናመፃእኩም ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ ምዃንኩም እናገልፅና ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ጨረታ ፖስታኹም ክተእትው ትኽእሉ፤

7 ተጫረቲ መኸበሪ ውሕስና ጨረታ ንሕድሕድ ሰነድ ናይ ኣቅሑትን ኤሌክትሮኒክስን፣ ኣቅሑት መራከቢ ሓፋሽ 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ፣ ናይ ፅሕፈትን መሳርሕትን ደቀቅትን ኣቅሑትን 3000.00 ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና (ብጥረ ገንዘብ) ክተትሕዙ ትኽእሉ፤

8 እቲ ጨረታ 30/09/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 6:00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ኣብ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መተሓባበሪ ጠቅላላ ግልጋሎትን ስምሪትን ዕደጋን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብቲ ቤት ዕዩ ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ጨረታ ንምክፋት ኣይንተኣጓጎልን።

9 ተጫረታይ ሰዓራይ ጨረታ ታባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

10 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ንኣፈፃፅማ ውዕሊ ውሕስና የትሕዝ።

11 ብቤት ዕዮ ተዳልዩ ዝተውሃበ መዐቀኒ ረቋሒን ብመጠንን ብግዜን ኣብ ውሽጢ 15 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ወፃኢ ናብ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከረክብ ኣለዎ።

12 መወዳደሪ መረዳእታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ።

13 እቲ ዝቀረበ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ በቲ መዐቀኒ ረቆሓ መሰረት ምዃኑ ምስተረጋገፀ እቲ ቢሮ ኣተዊ ከምዝገብሮ ክንገልፅ ንፈቱ።

14 ኢንስትቲዩትና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-599925 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo