ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ዘገልገሉ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።

ኤንተርፕራይዝ መፅናዕቲን ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ

ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ 20 .00 ብምክፋል ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1  ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ ጨረታ መኸበሪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 1ሚኢታዊ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

3 ጨረታ ሰነድ ኣተዊ ዝግበረሉን ዝክፈተሉን ኣብ ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ 4ይ ደብሪ ቢሮ 9ተ እዩ፡፡

4 ሰዓራይ ምዃኖም እንተፈሊጦም ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ናይ ዘሸነፍዎ ንበረት ጠቅላላ ክፍሊት ኣታዊ ዝገበርሉ ደረሰኝ ብምትሓዝ ኣብ ዓዲሓ ካብ ዝርከብ መክዘን ናይ ትካልና ብናይ ባዕሎም መጋዓዝያ ከልዕሉ ዝክእሉ፤

5 ተጫራታይ ናይ ዘሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ገንዘብ ኣታዊ ከገበሩ ተዘይኪኢሎም ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ናብ ናይ መ/ቲ ካዝና ኣታዊ ይከውን፡፡

6 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 15/09/2011 -29/09/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ 29/09/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::

7 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556 ምርካብ ይካአል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo