ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ንቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳይ ንፅጉማት ሕ/ሰብ ኣገልግሎት ዝውዕል መሸላ ንክዕድገሎም ብዝሓተቱና መሰረት ንምግቢ ሓገዝ ዝኮን 200 ኩንታል ኮረኩራ ዝዓይነቱ ምሸላ ናብ 14 ጣብያታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ

1 በቲ ዘፈር ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን፤

3 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእል

4 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 እዚ ጨረታ ካብ 15/09/2011ዓ/ም ክሳብ 29/09/2011ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ፣       

6 እዚ ጨረታ 30/09/2011 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት፡፡

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 01 ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል ፤

8 ሰዓራይ ንዝዕድጎ ምሸላ መፅዓኒ መራገፊ መጋዓዝያን ባዕሉ ዝሽፍን ኮይኑ ከምኡውን ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ በቢጣብይኡ ዘረክብ ክከውን ኣለዎ፡፡

9 ተወዳዳይ ሰነድ ጨረታ ሽም ኣድራሻ ፊርማ ማህተም ክገብርሉ ኣለዎም፡፡

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ 10 መዓልቲ እዩ፡፡

12 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480183/ ብምድዋል ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo